ኣቦ መንበር ግ.ሃ.ድ.ኤ. ምስ ምኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ተራኺቡ

habte tefamarim + tedros

ኣቦ መንበር ፈጻሚ ኣካል ዶር. ሃብተ ተስፋማርያም ዝመርሖ ልኡኽ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ምስ ክቡር ምኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ፈደራላዊት ሪፑብሊክ ኢትዮጵያ ዶር. ቴድሮስ ኣድሓኖም ብዕለት 24/12/2014 ኣብ ቤት ጽሕፈት ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣገዳሲ ርክብ ከም ዘካየደ ካብ ኣዲስ ዝበጽሓና ዜና ኣፍሊጡ። ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ፡ ሕውነታዊ ምትእስሳር ኣህዛብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ህዝብና ኣብ ትሕቲ ሕሱም ምሕደራ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ዘሕለፎ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ስቅያትን፡ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ብተቓውሞ ደምበ ዝካየድ ዘሎ ቃልስን ብድሆታቱን፡ ከምኡ’ውን ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታትን ብምልዓል ዓሚቝ ዘተ ተኻየዱ። ልኡክ ግ.ሃ.ድ.ኤ. መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ፡ ንፍትሓዊ ቃልሲ ህዝብናን ንስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያን ዝገብርዎ  ዘለዉ ኩሉ መዳያዊ ደገፍ ኣሞጊሱ። ክቡር ምኒስተር ውጻኢ ጉዳያት፡ ንህዝብና ዝግበር ደገፍ ካብ ሕውነታዊ ምትእስሳር ኣህዛብ ክልቲኡ ሃገራት ዝነቐለን ንክቅጽል ከኣ መንግስቲ ኢትዮጵያ  ብዕቱብ ክሰርሓሉ ምዃኑን  ከም ዘረጋገጸ እቲ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ።

 

“ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኹሉ!!”

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ።

24/12/2014

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9160

Posted by on Dec 25 2014 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net