ሓጺር ሓበረታ ካብ ሃገረ ስዊደን

ጽላል ስዊድናውያን – ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ መን ኢዩ ?

 

ጽላል ስዊደናውያን-ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ሃገረ ስዊደን ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ድህሪ ናይ ብዝሕ ዓመታት ልዝብን ምምኽካርን ብ2009 ዝተበጽሔ ስምምዕ መሰረት ኣብ መንጎ ፖሊቲካዊ ውድባትን በርገሳዊ ማሕበራትን በበይኑ ክነጥፍ ዝጸንሔ ኣድማዕነት ስለዘይኣርኣየ እቲ ዝሔሸ ብሓባር ምስራሕ ኢዩ ኣብ ዝብል ስለዝዓገበ ነዚ ናይ ሓድነትን ምትሕብባርን ጽላል መስረተ፡፤ ተልእኾ እዚ ጽላልዚ ድማ ነቶም ኤርትራውያን በብውዳቤኦም ንሰብኣውን ደሞክራስያውን ሕዝቢ ኤርትራ ዝቃለሱን ዝሕለቁን ባይታ ምፍጣርን፣ ዕላማዚ ጽላልዚ ድማ ሓያልን ድልዱልን እምነትን ተቀባልነትን ናይ ሕዝቢ ዝስሕብ ኮይኑ ነቶም ብፍላጥ ወይ ብዘይፍላጥ መጋበርያ ናይቲ ንሕዝብና ዘዋርድ ዘሎ ስርዓት ኮይኖም ዘለዉ ዓገብ ንምባልን ናብ ልቦም ክምለሱ ምጽዓርን ኢዩ ነሩን ዘሎን።

 

እዚ ጽላልዚ ካብ ዝምስረት ክሳብ ሕጂ እንታይ ሰርሑን ኣፍሪዩን ?

 

እዚ ጽላልዚ ካብ ዝጅምር ክሳብ ሕጂ መጀመርያ ባይታ ንሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ስዊደን ኣስሪጹን መገዲ ሓድነታዊ ኣሰራርሓ ድማ ኣታኣታትዩ። ብዙሓት ነዚ ጽላልዚ ዘጸልሙን ካልእ ስም ክህብዎ ዝጸንሑ እውን ናብኡ ከምዝጽንበሩ ገሩ ኢዩ፡፤ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ስብኣዊ መሰላት ንመንግስትን ሕዝብን ስዊደን ኣቃሊዑን ነቶም ምስዚ ስርዓት ኮይኖም ኣብ ስዊደን ተዋፍሮም ዝውድሶዎን ዘምልኹዎን ዝነበሩ ባእታት ድማ ዘይሕጋዊ ተግባራቶም ጠጠው ከብሉ ጽዒሩን፣ ነቲ ብስም ማሕበራት ክወስድዎ ዝጸንሑ ብሓሶት ምዃኑ አጋሊጹ እቲ ብኤርትራዊ  ኮማት ሓቀኛ ናይ ሕዝቢ ኮማት ዘይኮነስ ኣግልጋሊ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ምዃኑን ክጽናዕ ከምዘለዎን ንሰብ መዝነት መንግስቲ ስዊደን ኣፍሊጡ፣ እቲ ክውሃብ ዝጸንሔ ደገፋት ጠጠው ከምዝብል ገበሮ። ሓያል ዝምድና ምስ መራኸቢ ብዙሃን ስዊደን ከምኡ ድማ ምስ ሰብኣዊ መስላት ዝሕለቃ ማህበራትን ትካላትን ጽኑዕ ዝምድና ፈጠረ፣ ንኩለን ፖሊቲካዊ ሰልፍታት ስዊደን ብጉዳይ ሕዝቢ ኤርትራ ክግደሳ ክሕብርን ክምሕጸንን ጸኒሑን ኣሎን።

 

ብደረጃ ኤርትራውያን ዘካየዶ ስራሓት ኣብዚ መዳያት ነበረ።

 

  1. ሓበረታውን፣ መሃርን ሰሚናራትን ኮንፈረንሳትን ምኽያድ
  2. ሃገራዊ ጽንብላት ብሓባር ምብዓል
  3. ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፍታት ብሓባር ምውዳብ
  4. ምትሕብባርን ምሕጋዝን ሓደስቲ ተሳተፍቲ ኣብ ደንበ ተቃውሞ
  5. ንሓደስቲ ስደተኛታት ምሕባርን ምሕጋዝን

 

 

ጽላል ስዊደናዊ -ኤርትራ ከመይ ይሰርሕ ?

 

ኣብ ምሕናጽ ደሞክራስያ እንታይ የድሊ፣ ሕንጸት ደሞክራስያዊ ማሕበረሰብ ከምቲ ኩነታቱን ሕዝቡን ኢዩ፣ ሓደ ኣድማሳዊ መደል እውን የብሉን። እቲ ዘድ እምበኣር  ኣድማሳዊሞደል ዘይኮነስ ካብቲ ብሓንሳብ ዝነብር ሕዝቢ ኩሉ ግዜ እናተሓደሰን ምስ ኩነታቱ እናተለዋወጠ ዝኸይድ ካብቶም ዋናታቱ ዝምንጩ ኣተሓሳስባ ብሕዝቢ ተቀባልነትን ሕጋውነትን ከልብሳካ ዝኽእል መገዲ ኢዩ። ጽላል ስዊደናዊ- ኤርትራዊ እውን በዚ እምነትዚ ዓጊቡ እዚ ኣሰራርሓ ብደረጃ ስዊደን ካብ 2009 ኣታኣታትዩ ኣብ ኩለን ከተማታት ስዊደን እውን ብኸምኡ ኽጥርነፉ ይተሓባበር፡፤ እዚ ኣጠራንፋ ብደረጃ ስዊደን ምስ ዓበየን ሰፍሔን ድማ ርኽክባት ብዞባን ዓለምለኸን ደረጃ ምሕዝነት ንሰፊሕ ደሞክራስያዊ ኣተሓሳስባን ኣሰራርሓን ድማ የማዕብል።

 

ምምሕዳር ጽላል ?

 

ጽላል ቅዋም ኣለዎ፣ ብቅዋም መሰረት ድማ ኣብ ዓመት ዓመት ጉባኤ የካይድ፣ ናይ ጉባኤ ሓላፍነት ድማ ምምሕያሽ ቅዋም፣ ጸብጻባት ንጥፈታትን ፊናንሳውን ናይ ዝነበረት መርሒነት ምጽብጻብን ምውሳንን ኢዩ። ሓዳስ መሪሕነት ምምራጽን፣ ክሚተ ናይ ምሕጻይ መጻኢት መርሕነት፣ ኮሚተ ናይ ኦውዲት ናይ ጉባኤ ሓላፍነት ይኸውን።

 

አኼባ ኣባላት ኣብ ዓመት 4 ግዜ ይካየድ ፣ ተወሳኺ ግን ህጹጽ ኣኼባ ዝ ጽዋዓሉ ግዜ እውን ኣሎ።

 

ጽላል ስዊደናዊ ኤርትራዊ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብዚ ግዜዚ ሰፊሕ ኤርትራዊ ኮሚኒቲ ንምቋም ይሸባሸብ ኣሎ፣፣

 

ንኩለን ማሕበራት ጠርኒፉን ኣዋሃሂዱን ክሰርሕ ድማ ንጉባኤ ኣብ ምስንዳአ ይርከብ።

 

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9394

Posted by on Feb 19 2015 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net