ዕዉት ስርሒት ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ

ensf military and security affairs

“ሃገርካ ክዝመት ዓይንኻ ነይዕመት” !

ብስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ብቐጻሊ ዝፍጸም ዘሎ ዘይተኣደነ ጭቝናን ምብስባስን ንምግጣም፡ ምዑታት ጀጋኑ ኣሃዱ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ ትማሊ ሮቡዕ 11/03/2015 ልክዕ ሰዓት 08.30 ናይ ኣጋምሸት ኣብ ቀሓውታ ዝተባህለ ቦታ ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ ልዕሊ ትካል ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ. መጥቃዕቲ ፈጺሞም። እዚ ዝተኻየድ ስርሒት ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ረቒቝ መጽናዕቲ ድሕሪ ምክያድ ዝተፈጸመ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ናይ ህዝብን ኣባላት ሰራዊት ኤርትራን ምትሕብባር ዝተሓወሶ ምንባሩ ክንገልጽ ንፈቱ። ቀንዲ መበገሲ ናይ’ዚ ስርሒት’ዚ ብሓደ ወገን፡ ብጸላኢ ህዝብና ዝኾነ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ.ካብ ኣርባዕተ ኣስመራን ጸሎትን ጀሚሩ፡ ክሳብ ስውኣት ዝተኸፍሎ ቅንጸላ ዓዲ ቐይሕ ንዝተኻየደ ተግባራት ግብረ-መልሲ ክኸውን ከሎ፣ በቲ ካልኣይ ወገን ድማ፡ ሃብትን ትሕዝቶን ሃገር ብስሱዓት መራሕቲ ህ.ግ.ደ.ፍ. ምስ ገለ ናይ ወጻኢ ኩባንያታት ኮይኖም ንዘካይድዎ ዘለዉ ዘመተ ንምምካን ዝሓለነ ኢዩ። ስርሒት “ቀሓውታ” ዓቢ ገራጅ መካይን ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ብፍላይ ድማ  ወርቅን ዝተፈላለየ ማዕድን ዘጓዓዕዛ ፍሉያት ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መካይን ንምብራዕ ዝተሓንጸጸ ቅዲ ኢዩ ነይሩ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ገለ ካብ’ተን መካይን ክቃጸላ ከለዋ፡ ገለ’ውን ብከፊል ከም ዝተበላሸዋ ተረጋጊጹ። ነዚ ዝፈጸሙ ብጾት፡ ኣብ ልዕሊ ህይወት ኤርትራውያን ዝኾነ ክሳራ ንከየጋጥም ብጥንቛቔ ዘካየድዎ ስርሒት ብምንባሩ፡ ብጀካ ሓደ ሰብ ፈኵስ መቕሰልቲ ዘጋጠሞ ካልእ ዝኾነ ዝወረደ ክሳራ ከም ዘይነበረ ክንሕብር ንፈቱ። እቲ ባርዕ ምስ ተሓበረ፡ መጥፍእ ሓዊ መካይን ከምኡ’ውን ኣካላት ጸጥታ ህ.ግ.ደ.ፍ. ቀጥታ ናብ’ቲ ቦታ ብምምጻእ ነቲ ዘጋጠመ ክሳራ ንምሕጻርን ምኽንያታቱ ንምፍላጥን፡ ኣብ ሃውተታ ከም ዝኣተወ ነቲ ጉዳይ ዝተከታተሉ ብጾትና ኣረጋጊጾም። ብተወሳኺ፡ እቲ ወረ ንከይዝርጋሕ፡ ጸጥታ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ምሉእ ከተማ ኣስመራ ጽዑቕ ምንቕስቓስ የካይዱ ምህላዎምን፣ ህዝብና ከኣ ብኣንጻሩ ብሰንኪ’ዚ ዝተፈጸመ ተባዕ ስርሒት ሓጎሱ ይገልጽ ምህላዉን ተረጋጊጹ።

 

ግ.ሃ.ድ.ኤ. ኣብ’ዚ ከረጋግጾ ዝደሊ፡ ግጥምያና ምስ ጨቛኒ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ውሽጢ ሃገር ክኸውን ኣለዎ ዝብል መደብ ካብ ነዊሕ ግዜ ተተሓሒዝዎ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሕጂ እቲ ቅድመ ተዳላይነታት ብመጥኑ ተማሊኡ ስለ ዘሎ፡ እዚ ዝተኻየደ ስርሒት ናይ መጀመርታ’ምበር ናይ መጨረሽታ ከም ዘይኮነ ንኩሉ ደላይ ፍትሒ ህዝብና ከነብስር ንፈቱ። እንካይዶ ስርሒታት ኣብ ልዕሊ  ሰለማዊ ህዝብናን ንብረቱን ዝኾነ ሓደጋ ንኸየስዕብ፡ ብጥንቃቔን ብተጸንዐ ኣገባብን ከነካይዶ ምዃና ንኩሉ ግዱስ ከነተኣማምን ንደሊ። ብተወሳኺ፡ እቲ ዝዓበየ ክፋል ሰራዊት ኤርትራ ግዳይ ናይ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ምዃኑ ስለ እንኣምን፡ መጥቓዕትና ናብኡ ዘቕነዐ’ውን ኣይኮነን። እንተኾነ ግን ኣብ ጎድኒ’ቲ ጨቛኒ ስርዓት ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝኾነ ዓይነት ግፍዒ ንዝፍጽም ግን በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ካብ’ቲ ስርዓት ክላቐቕ ኣትሪርና ነጠንቕቕ። ኣይፋለይን ንዝብል ግን ኣብ እንካይዶ ስርሒታት ንክገጥሞ ዝኽእል ሃሰያታት ሓላፍነቱ ባዕሉ ከም ዝሰከሞ ብቅሉዕ ክንሕብር ንፈቱ። ከምኡ’ውን ሃብቲ ሃገርን ኩሉ ቁጠባዊ ትሕዝቶ ህዝብናን ክምዝምዙን ክዝምቱን ንዝረከቡ፡ ብዘሎና ዓቕሚን ብምትሕብባር ምስ ህዝብናን ንጹሃት ሃገራውያን ዝኾኑ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራን መደባቶም ንምፍሻል ክንቃለስ ኢና። ስለ’ዚ ኣባላት ሰራዊትን ኣብ ዝተፈላለየ ትካላት ናይ’ቲ ስርዓት ዝዋፈሩ ዘለዉ ስራሕተኛታትን ኣብ ጎድኒ ውጹዕ ህዝቦም ተሰሊፎም ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ክቃለሱ እዋኑ ከም ዝኣኸለ ክነዘኻኽር ንፈቱ።   

 

“ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ “!!

 

ወትሃድራውን ጸጥታውን ቤት ጽሕፈት

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

12/03/2015

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9439

Posted by on Mar 13 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net