መግለጺ ሓዘን ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር

esmns logo
ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር፣ በቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ኣጋጢሙ ዘሎ ጃምላዊ ህልቂት ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን ይገልጽ።
ሞትን ወረ ሞትን ካባና ከይራሓቐ ንነዊሕ ግዜ ምሳና ክጓዓዝ ከምዝጸነሐ ኩላትና ዘይንኽሕዶ ሓቂ እዩ። ኣብዚ ሕጅ እዋን ግን እቲ ጽላሎት ናይ ሞት ዝያዳ ኹሉ እዋን ኣብ ነብስወከፍ ኤርትራዊት ስድራቤት እናሰዓበ ድነ ጥፋኣት የንጸላሉ ኣሎ። እቶም ካብ ሞት ሃዲሞም ናብ ውሑስ ቦታ ክበጽሑ ዝፍትኑ ዘለዉ ዜጋታትና፡ ሓደ ድሕሪ ሓደ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ይሃልቁ ምህላዎም መዛረቢ ዓለም ኮይኑ’ሎ። ናይቶም ኣብታ ዝሓለፈ ሰሙን ኣርባዕተ ሚእቲ ስደተኛታት ሒዛ ዝጠሓለት ጃልባ ክንደይ ካብኣቶም ዜጋታት ኤርትራ ሙዃኖም ጌና ዘይተረጋገጸ ጉዳይ ኮይኑ እናሃለወ፡ ሬሳኦም ጌና ከይተላዕለ ካልእ  ትሽዓተ ሚእቲ ሒዛ ካብ ገማግም ማያት ባሕሪ ሊብያ ዝተበገሰት መርከብ ጥሒላ ከምዘላ ኩለን ማዕከናት ዜና ዓለም ኣረጋጊጸኖኦ ኣለዋ። ካብቲ ካብ ላዕለዋይ ኮምሽን ስደታኛታት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ተረኺቡ ዘሎ ሓበሬታ፡እቶም ሰለስተ ሚእትን ሓምሳን(350) ዜጋታት ኤርትራ ሙዃኖም ተገሊጹ። እዚ ተበራራይ ሞት ኤርትራውያን ንብዙሓት ስደራቤታት ናብ ኣዝዩ ከቢድ ዝኽትምናን ሓዘንን ዋይዋይታን ክሸመን እዩ። እዚ ከቢድ በሰላ’ዚ ኣብ ነብስወከፍ ስድራ ቤት ኤርትራ ዘውርዶ ሞራላውን፣ ቁጠባውን፣ ማሕበራውን ቅልውላዋት ብቐሊሉ ክግመት ዝኽእል ኣይኮነን። ናይ’ዚ ማዕበላዊ ህልቂት መዓልታዊ ኣንዳተደራረበና፣ ቁስሊ ስምብራቱ ጽባሕ ጽባሕ ይጎድኣና ብምህላዉ፣ ከም ሕብረተሰብ ናይ ቀጻልነትና ሓደጋ ኮይኑ’ሎ። ማያት ማእከላይ ባሕሪ ናይ ዘዙጎበዙ ኣባጽሕ ኤርትራ መቓብር ይኸውን ምህላዉ፣ ካብቲ ነቲ ሓዘንና ዘኽብዶ ነገር’ዩ። ሞት ንቡር’ዩ ኩሉ ፍጡር ዝኾዶ ዘይተርፍ ተፈጥሮኣዊ ጉኦዙ እዩ። ሰብ ካብ ሞት ብምህዳም ናብ ሞት ክኸይድ ግን እቲ ዘይንቡር ዝገብሮ እዩ።
ከም ህዝቢ ቤት ክልወና ተቃሊስና፣ ሞይትናን ሰንኪልናን ዘይስገር ሰጊርናን ክነስና፣ ሎሚ ቤት ኣልቦ ኮይናን ድራር ኣራዊትን ሸፋቱን ኮይና ሓታቲ ዘይብልናን ቃልዕ ክንወጽእ እቲ ነቲ ሓዘን መሪር ዝገብሮ እዩ። ሂወት ዝከፈልና፡ ብሂወት ክነበር እምበር፥ ካብ ሞት ናብ ሞት ክንሰግር ኣይኮነናን። ኢቲ ዘይምርጫና ግን ዕጫና ኮይኑ’ሎ።
ብዘይካ’ዚ ብቐጻሊ ዘጋጥመና ዘሎ ሕልቂት ባሕሪ፡ ካልእ ሓደጋ ጥፍኣት ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ኤርትራ ክግሃድ ጀሚሩ ኣሎ። ብሰንበት ዕለት 19 ሚያዝያ 2015 እቲ ብዳዕሽ ወይ ብኣይሲስ ዝፍለጥ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብፍላይ ዜጋታት  ሶርያን ዒራቕን  ቆልዑን ኣንስትን ከይተረፈ፡ በቲ ሰብ ኮይንካ ንኽትኣምኖ ዘድንጹ ኣዝዩ ጽዩፍ ጭካነ ንደቂ ሰባት ብስሑል ካራ ክሓርድ ዝሓገየ ሓይሊ፡ ሕጂ ኸኣ ዜጋታትና  ከም ኣባጊዕ ክሓርድ ከም ዝጀመረ ድሮ ንዓለምና ዘሰንብድ ዜና ኮይኑ ኣሎ ቀንዩ’ሎ። እዚ ጭካነ ዝመለኦ ግፍዒ ኣባና ጥራሕ ዘይኮነ ኣብቶም ኣሕዋትናን ጎረቤትናን ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን’ውን ኣጋጢሙ’ሎ። እዚ ክልቲኡ ኣህዛብ ብምቕባል ኣጋይሽ ዝፍለጥ ለዋህ ህዝቢ እኳ እንተኾነ  ደቁ ግን ኣብቲ ዝገሽዎ ብኢሰብኣዊን  ብዘስካሕክሕን ተሓሪዶምን ተረሺኖምን ኣለዉ። እዚ ኣረሜናዊ ተግባር ኣብ ልዕሊ’ዚ ክልቲኡ ህዝብታት ኣብ መላእ ሕብረተሰብ ዓለም መሪር ሓዘን ኣስዒቡ’ሎ። ከም ስምረት በቲ ዘጋጠመ ኢሰብኣዊን ኣረሜናውን ፍጻሜ ብትሪ ንኹንን!  ንስድራን መቅርብን ፈተውትን ግዳያት ጽንዓት ይሃብ ንብል። ንግዳያት ከኣ ዘልኣለማዊ ዕረፍቲ ንምነ።
ዓመጽ ዘይቅዱስ ተግባር እዩ። ዓመጽቲ ንጹሃት እንዳዓመጹ ኣይነብሩን እዮም ይንዋሕ ይሕጸር መቕጻዕቶም ክረኽቡ ሙዃኖም ዘየጠራጥር እዩ። ነዚ ተግባራዊ ንምግባር ስምረት ምስ ኩሎም ደለይቲ ፍትሕን ሰላምን ደው ብምባል ጻዕርታቱ ክቕጽል ምዃኑ የርጋግጽ።
ሓርነትና ናይ ግድን እዩ!!
ስምረት ምንቅስቃስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር።
ሚያዝያ 22, 2015

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9563

Posted by on Apr 23 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net