ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ቀንዲ መጋበርያታቱ ዝኾኑ ባእታታት ይጽልጽል ኣሎ !!

ensf baner

ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ሓደ ካብ’ቶም ፍሉጣት መጋበሪያታቱ ዝኾነ ባእታ ብዕለት 29 ሚያዝያ ካብ ሓላፍነቱ ከም ዝጸልጸሎ ካብ ኣስመራ ዝመጻና ዜና ኣረጋጊጹ። ሰበ ስልጣን ህ.ግ.ደ.ፍ ቅድሚ ምጽልጻሉ ብሓደ መዓልቲ ንዳይረክተር ኮባንያ ቀይሕ ባሕሪ ዝኾነ መብራህቱ ማይል (ብወዲ ማይል ዝፍለጥ)  ብሰንኪ’ቲ  ህዝቢ ዓው ኢሉ ክዛረበሉ ዝጸንሐ ገደብ ዘይብሉ ብልሽውና፡ ተሪር መጠንቀቕታ ሂበሞ ከም ዝነበሩ ተፈሊጡ። ወዲ ማይል ሓላፊ ኩባንያ ገደም ከም ዝነበረን፡ ስማ ናብ ኩባንያ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ተቐየረት’ውን ብመሰረት መምርሒ መላኺ ኢሳይያስ፡ ሓላፊኣ ኮይኑ ክቕጽል ከም ዝተገብረን ከነዘኻኸር ንፈቱ። ኩባንያ ቀይሕ ባሕሪ ዳርጋ ነቲ ኩሉ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ቁጠባዊ ስራሓትን ዓበይቲ ፖሮጀክትን ገቢታ እትርከብ ትካል ናይ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኢያ። ምምሕዳራ ናይ’ዚ ኣገዳሲ ትካል’ዚ ንወዲ ማይል ሓላፍነት ምሃብ ድማ  ጥቡቕ ዝምድና ምስ መላኺ ኢሳይያስ ስለ ዝነበሮ ኢዩ ክብሉ፡ ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ዝከታተሉ ኣካላት ዝገልጽዎ ሓቂ ኢዩ። ወዲ ማይል ነዚ ፍሉይ ዝምድና’ዚ መዝሚዙ መንእሰያትና ካብ ግዴታዊ ዕስከርና ስሒቡ ኣብ ዝተፈላለየ ስራሓት ናይ’ዚ ትካል’ዚ ብነጻ ጉልበት ከገልግሉ ይግበር ምንባሩ ዝተፈልጠ ኢዩ። ካብኡ ሓሊፉ’ውን፡ ወዲ ማይል፡ ኣብ ልዕሊ መንእሰያትና ክትገልጾ ዘጸግም ግፍዕታትን ምዝመዛን ንኽካየድ ትእዛዛቱ ዘመሓላልፍ ባእታ ከም ዝነበረ ኣብ ህዝብና ዝተፈልጠ ጉዳይ ኢዩ። ካብ’ዚ ኢ.ሰብኣዊ ተግባር’ዚ ንክገላገሉ መንእስያትና ሃጽ ኢሎም ሃገሮም ገዲፎም ናብ ስደት ከምርሑ ይግደዱ ነበሩ። ካብ’ዚ ዝተበገሰ ከኣ ህዝብና ኣብ ልዕሊ ወዲ ማይል ዓቢ ጽልእን ቅርሕነትን ኣሕዲሩ ኢዩ። ተግባራት ወዲ ማይል ናብ’ዚ ደረጃ’ዚ ካብ በጽሐ፡ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ካብ ስልጣኑ ኣውሪዱ፡ ዝኾነ ዓይነት ንግዳዊ ስራሓት ንከየካይድ ብምእጋድ፡ በጃ ናይ’ቲ ሰንከልከል ዝብል ዘሎ ስርዓቱ ክገብሩ ናይ ግድን ኢዩ ነይሩ። ብቋንቋ ኢሳይያስ ደስኪልካ ኣለኻ ማለት ከኣ ወይ ኣብ ቤት መእሰርቲ ምድጓን ወይ’ውን ምቕታል ምዃኑ ብዙሓት ተዓዘብቲ ክገልጹ ይስምዑ ኣለዉ።

ተቐማጦ ከተማ ኣስመራ  ብሕጨጫ ካብ ዝዝንይዎ ጉዳይ፡ መብራህቱ ማይል “ወዲ ማይል” ኣብ መደቀሲኡ ክፍሊ ዝተበላሸወ ነገር ስለ ዝነበረ፡ ንምዕራዩ ኣብ ክፍሉ ዝኣተዉ ሰራሕተኛታት ኣብ መንደቕ ናይ’ቲ ክፍሊ ርእሲ ኢሳይያስ ዝሓዘለ ዓቢ ናይ ኣንበሳ ስእሊ ተሰቒሉ ምህላዉ ኩሉ ዝዛረበሉ ጉዳይ’ዩ። እዚ ጉዳይ’ዚ፡ ወዲ ማይል ንኢሳይያስ ክሳብ ክንደይ የምልኾ ከም ዝነበረ ዝሕብር ኢዩ። መላኺ ኢሳይያስ ግን፡ ስልጣኑ ንከናውሕ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ናይ ሓሶት ካባ ቅንዕና ክለብስ ብምፍታን ብልሽውና ንምጥፋእ ከም ዝሰርሕ ንክመስል፡ ዋላ’ውን ነቶም ከም ፈጣሪ ዘምልኽዎ ባእታታ በብሓደ ካብ መስርሕ ህይወት ከም ዝኽወሉ ምግባር፡ ሓደ ካብ’ቲ መለለይታቱ ምዃኑ፡ ዝሓለፉ ተመክሮታት ህያው ምስክር ኢዮም።

 

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን’ውን ብተመሳሳሊ፡ ለተናል ኮረነል ገረዝግሄር ኣስመላሽ ዝተባህለ ናይ’ታ ኣብ ሰምበል እተርከብን ብህ.ግ.ደ.ፍ. እትውነንን ኩባንያ ጽርበት ሓጺንን ዕንጸይቲን ሓላፊ፡ ህይወቱ ከም ዘሕለፎ ካብ ኣስመራ ዝበጽሓና ዜና ኣረጋጊጹ። ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣቐዲሙ፡ ንኮረነል ገረዝግሄር ብገንዝባውን ምምሕዳራውን ብልሽውና ክኸሱ ከም ዝጸንሐን፡ ካብኡ ነቒለ ድማ ኣብ ቤት መእሰርቲ ከም ዝዳጕኖን ዝተፈልጠ ኮይኑ፡ ኢሳይያስ ባዕሉ ረኺቡ ከም ዝመርመሮ ተፈሊጡ። ኢሳይያስ ዘለፋ ዝመልኦ ቃላት ብምጥቃም ከም ዝገንሖን፡ ተነሃሂሮም ኣብ ምትሕንናቕን ወስታን ከም ዝበጽሑ ብቐረባ ዝተኻታተሉ ምንጭታትና ሓቢሮም። እቲ ጉዳይ ከምዚ ምስ ኮነ መላኺ ኢሳይያስ ነቶም ናይ ጸጥታ ሰባት ንገረዝግሄር ክእድብዎ መመርሒ ኣመሓላሊፉ ከደ። ጸጥታ ህ.ግ.ደ.ፍ ከኣ ክሳብ ኣብ ኣፍደገ ሞት ዝበጽሕ ብዘይ ንሕሰያ ቀጥቀጥዎ። ኣብ ጻዕረ-ሞት ከሎ፡ ናብ ሆስፒታል ሊእከሞ፡ ኣብኡ ከኣ ዓረፈ። ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ባዕሉ ዝቐተሎ ኮረነል፡ “ ነብሱ ከሕልፍ ፈቲኑ፣ ንምድሓኑ ናብ ሆስፒታል ኣብጺሕናዮ እንተኾነ ግን ክድሕን ኣይከኣለን” ክብል ከም ኣመሉ ሓሶት ክነዝሕ ከም ዝጀመረ ካብ ኣስመራ ዝበጽሓና ዜና ኣረጋጊጹ።

 

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ !!

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

30/04/2015   

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9592

Posted by on May 3 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net