ኣብ ዝኽሪ መበል ዕስራን ኣርባዕተን ዓመት

nahda

ኣብ’ዛ እንነብረላ ዘሎና ዓለም ዝርከቡ ኣህዛብ ኩሉ ዓመት መጸ ሃገራዊ መዓልቲ ናጽነቶም እንከብዕሉ ብሰላምን ፤ ቅሳነትን ፤ ማዕርነትን ፤ ሓጎስን  ብዝመልኦ ኣገባብ ክኸውን አንከሎ ፡ ህዝቢ ኤርትራ ግን ብ ኣንጻሩ ሰላምን ቅሳነትን ተሓሪምዎ ፡ ኩሉ ዓመት መጸ ኩነታቱ  ካብ ክፉአ ናብ ዝኸፍኤ አናተሰጋገረ አፎይታ ስኢኑ ከማርር ይርከብ። እቲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ናጽነት ዝጽበዮ ዝነበረ እምበኣር ሰላም ረኺቡ ሃገሩ ክሃንጽን ንሃገሩ ማዕረ አተን ዝማዕበላ ሃገራት ክሰርዓን ፤ ንቅድሚት ክመርሓን እኳ እንተነበረ ዘይሓሰብካዮ ርኸብ ኣይመርገም ኣይምረቓን ከምዝበሃል ግን ህዝቢ ኤርትራ ዘይተጸበዮን ዘይሓሰቦን እዩ ረኺቡ። ሰላም ብኹናት ፤ እቲ ናጽነት ብባርነት ፤ እቲ ራህዋ ኸኣ ብድኽነት ተተኪእዎ ፡ ኩሉ ነገሩ ጋን ኮይኑዎ እዚ ድዩ ትርጉም ናይ ናጽነት ክብልን ክስድመምን ይርከብ ኣሎ። ህዝብና ቅሳነት ሲኢኑ ከይኣክል ቁጠባዊ ደርጃኡ ውን ኣንቆልቂሉ እዩ ዘሎ። እቲ ሃፍታም ዝነበረ ደኽዩ እቲ ድኻ ዝነበረ ድማ ዝበልዖ ስኢኑ ኣብ ሕማቅ ኩነታት በጺሑ ከብዱ ሓቑፉ ጾሙ እዩ ዝሓድር ዘሎ። ህዝብና ተመዛቢሉ መንእሰያትና ድማ ኣብ መፈጸምታ ዘይብሉ ሃገራዊ ባርነት ተጸሚዶም፡ ቅሳነት ስኢኖም መጻኢኦምን መጻኢ ስድራቤቶምን ኣብ ዝጸልመተሉ ህሞት ፡ ገለ አንተሓለፈሎም ብምባል ካብዚ ዘለናዮ ናብራ ዝሓይሽ እምበር ዝኸፍእ የልቦን ብምባል እግሮም ናብ ዘምረሖም ብምኻድ ኣደዳ መቅተልቲን መጭወይቲን ምጥሓልን ክኾኑ ይርከቡ።

ኤርትራ ሃገርና ኣብ ከምዚ ዝበለ ንህላዌኣ ኣብ ሓደጋ ዘእተወ ኣዝዩ ዘሰክፍ ኩነታት እናሃለወት እያ’ምበኣር መበል 24 ዓመተ ናጽነታ ዝበዓለላ ዘሎ። እቲ ንኤርትራ ኣብዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ኣሰካፊ ኩነታት ንኽትበጽሕ ዝገበረ ነውራም ስርዓት ህግደፍ ባዕሉ ክንሱ፡ ኣብ’ዚ ሓጂ እዋን ዝተፈላለዩ ኣካላትን ሃገራትን አናጠቐነ ነብሱ ናጻ ከውጽእ ምፍታን ናይ ወትሩ መዝሙሩ እኳ እንተኾነ ፡ ህዝቢ ኤርትራ መን’ ዩ በዳሊ መን ከ ተበዳሊ ኣጸቢቁ ስለዝፈልጥ ንብድሕሪ ሕጂ ደጊም ኣይክግራህን’ዩ።

ሎሚ ኤርትራ ሃገርና በቶም ዑማኾ ዘይኣኽሉ ፡ አንትርፎ ንኸብዶም ንህዝቦም ዘይሓስቡ ፈተውቲ ነብሶም እያ ብዓመጽ ትመሓደር ዘላ። አዚ ውን ከምዚ ኢሉ ክቕጽል ኣይኮነን ፡ህዝቢ ምረት ሂወት ኣብ ዓንቀሩ በጺሕዎ ንሓለፍቲ ህግደፍ ክሕንሕን እዩ ዝርከብ ዘሎ ።ኣብ መወዳእታ ውን ኣንጻር’ቶም ዓመጽቱ ሰውራ ኣበጊሱ ነበረያ ነበረ ከምዝገብሮም ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ህዝቢ ኤርትራ ከም’ቲ ቅድሚ ሕጂ ብደሙ ታሪኽ ዝሰርሐን ናጽነቱ ዝተጓናጸፈን ፡ ሎሚ ውን ከም ቀደሙ መጻኢኡ ባዕሉ ክውስንን ፡ ቅልጽሙ ኣሕቢሩ ጸላእቱ ብምድምሳስ ፡ ሰላም ዝዓሰላን ፤ ማዕርነትን ሓድነትን ዝረጋገጸላ ናጻን ደሞክራስያዊትን ምዕብልትን ሃገር ከምዝሃንጽ ጥርጥር የብልናን።

 

ዓወት ንደሞክራስያዊ ህዝባዊ ቃልሲና !!

ዝክርን ክብርን ንስዉኣትና !!

ናጻ ኤርትራ ንዘልኣለም ትንበር !!

 

ሰልፊ ናህዳ እርትራ

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት

24 ግንቦት 2015

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9661

Posted by on May 28 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net