ዕድመ ንመዓልቲ ስዉኣት

esvk+u

ክቡራት ተቐማጦ ከተማ ኰለን‘ን ከባቢኣን!

ክቡራት ኣባላት ማሕበር!

ማሕበረ-ሰብ ኰለንን ከባቢኣን፣ ንቀዳም፡ ዕለት 20 ሰነ 2015 ብከምዚ አብ ታሕቲ ተሰሪዑ ዘሎ መደብ፣

ንመዓልቲ ስዉኣት ኤርትራ ብሓባር ንምብዓሉ ንኵልኻትኩም/ንኵልኻትክን

ብኽብሪ ትዕድም።

ቦት ርክብና፡-

 ሰዓት 13፡00 አብ ሰላም ፓርክ Friedenspark‘ዩ። ንኣብነት ካብ Dom-mainstation ተበጊስኩም ብU-Bahn ቍ.16 አብ Chlodwigplatz ወይ ኣብ Schoenhausenstr. ትወርዱ ካብኡ ብእግሪ ን10 ደቂቓ ናብ ፈለግ ራይን ኣብልኩም ተጓዒዝኩም ትበጽሕዎ። ብመንጽሩ ብሸነኽ  Bonn ንእትመጹ‘ውን ከምኡ ብቍጽሪ 16 U-Bahn ተሳፊርኩም አብ ዝተባህለ መዓርፎ ትወርዱን ብእግሪ ቀጺልኩም ናብ ፍሪደንስ-ፓርክ ትበጽሑን።

ናይ‘ዚ ዓመት‘ዚ አብ እግሪ‘ታ ብስም ሰማእታት-ሰውራ ኤርትራ 2009 ዝተኸልናያ ካስታንየን-ኦም ዚግበር መደባትና ከአ፡-

  • ንዝኽሪ ስዉኣት ዚግበር ናይ ሕልና ጸሎት
  • መኽፈቲ/መግለጺ ብኣቦ-መንበር ማሕበረ-ሰብ፤
  • ጸሎት ወይ ዱዓ ብምእመናን ክርስትናን ምስልምናን፤
  • ንኽብሪ እዛ መዓልቲ ዝካየድ መስርሕ ምውላዕ ሽምዓታት፤
  • ንኽብሪ እዛ መዓልቲ ዝካየድ ንባብ ጽሑፋትን ግጥምታትን

ቀጻሊ መደብ፡-

ድሕሪ 3 ሰዓታት አቢልና ካብ Friedenspark ናብ Italienisches Zentrum, Offene Welt(Mondo aperto) አብቲ ድሕሪ ናይ 9 ደቃይቕ ጉዕዞ ዚብጻሕ ቦታ፣ ማለት ናብ Zugweg 22 ክንከይድ ኢና። አብኡ ናይ Grill/Barbecueን መስተን ፌስታ ቀጺሉ ከምሲ‘ዩ።

ብድሓን ምጹ!

ዘልኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና!

 

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9688

Posted by on Jun 16 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net