ወግዓዊ መግለጺ ጉባኤ ቦለኛ – ኣብ ለንደን 2015

ጉባኤ ቦለኛ፡ ኩሉ ደላዪ ፍትሒ ኣብ ዝቐርቦን ኣብ ዝምቸኦን ብዘዓባ ጉዳይ ሃገሩ ከም ድዝትን፡ ዕዙዝ ተሳታፍነት ደለይቲ ፍትሒ ብዘረጋግጽን ከባብያዊ ኣኼብኡ፡ ኣብ 18 ሓምለ ኣብ ለንደን ብወግዒ ከፊቱ። እተን ሰለስተ ህጹጻት ዕላማታት መድረኽ ቦለኛ፡ እዘን ድስዕባ እየን።
1) ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነጣጠፋ ዘለዋ ዲሞክራስያውያን ሓይልታት ምጥንኻር
2) ቁጽሪ ኣብ መርሒነት ዝመጹ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ከም ዝዓቢ ምግባር
3) ነቲ ኣይ ተቓዋሚ ኣይደጋፊ ናይዚ ስርዓት ኮይኑ ብማዕዶ ዝዕዘብ ዘሎ ዝበዘሐ ክፋል ሕብረተሰብና ምጉስጓስን ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ዕዙዝ ኣበርክቶ ከም ዝሕልዎ ምግባር

እቲ ንኽልተ ምዓልታት ዝቐጸለ ኣኼባ፡ ክሳብ ሓደ ሚእቲ ዝኾኑ ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታን ፖለቲኻዊ ኣረኣእያታትን ዘለዎም ደቂ ኣንስትዮ፣ ደቂ ተብዓትዮን መንእሰያትን ተራኺቦም፡ ኣብ ኣድላይነትን ኣተገባብራን ሰላማዊ ቃልስን፡እዋናዊ ዓቕምን ተኽእሎን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነጥፋ ዘለዋ ዲሞክራስያውያን ሓይልታት ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ዘተኮረ ዘተን ክትዓትን ንኽገብሩ ኣኽኢሉ። ኣብቲ ንኻልኣይ ምዓልቲ ዝቐጸለ ኣኼባ ድማ፡ መንግስቲ ህግደፍን ኣሰራርሓ ጸጥታዊ ትካላቱን ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርስቲ ብሰፊሑ ተዘትዩሉ።

ሓደ ካብ ኣዳለውቲ ጉባኤ ቦለኛ ከም ዝበሎ፡ “ጉባኤ ቦለኛ፡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ዝሓቖፈ ኣኼባ ኮይኑ፡ ኣሳታፊ፣ ብግሉጽነት ዝዓዪን ንዲሞክራስያዊ ኣሰራርሓ ዘኽብርን መድረኽ እዩ” ክብል ንተሳተፍቲ ኣኼባ ገሊጹ። ብርግጽ ድማ፡ እቲ ኣኼባ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ መርገጻትን ኣረኣእያታትን ዘለዎም ወገናት ብሓደ ንኽሰርሑ ባይታ ፈጢሩ እዩ። ብተወሳኺ፡ እቶም ኣዳለውቲ ጉባኤ ቦለኛ፡ ነዞም ኣብ ላዕሊ ክብ ኢሎም ዝተገልጹ ዕላማታት ንምዕዋት ጻዕሪታትና ብኸመይ ኣብ መጻኢ ከም እነሐይል ኣመልኪቱ ህዝቢ ርኢቶኡ ንኽህበሎም ጸዊዖም።
ገለ ካብቶም ብተሳተፍቲ ዝተዋህቡ ርኢቶታትን ለበዋታትን ንምግላጽ፡ ኣብ ቀጻሊ፡ ጉባኤ ቦለኛ፡ ብዓል ዒድን ካልኦት ህዝባውያን ብዓላት ኣብ ዝኽበሩሉ ግዜ ይጽዋዕ፡ ዙዝ ተሳትፎ ደለይቲ ፍትሒ ንምርግጋጽ፡ ወግዓዊ ዕድመ ኣቐዲምካ ምዝርጋሕን ምቅላሕን፡ ስጡም ቁጽጽር ኣብ ልዕሊ ሃገራውያን ፖለቲካዊ ዉድባትን ሰልፍታትን ዘካይዳ ጥንኩራት ህዝባውያን ማሕበረ ሰባትን ተጣበቕቲ ሰብኣውያን መሰላትን ንኽህልዋና በርቲዕካ ምስራሕ፡ ጉባኤ ቦለኛ ለንደን፡ ንሓያለ ማሕበራት፣ መራሕትን ኣገደስቲ ውልቀ ሰባትን ኣብ ትሕቲ ሓደ ጽላል ከቀራርብ ስለ ዝኸኣለን፡ ዘይነዓቕ ቁጽሪ ደለይቲ ፍትሒ ደቂ ኣንስትዮ ተሳተፍቲ ናይዚ ኣኼባ ንኽኾና ስለ ዘተባበዐን፡ ብብዙሓት ካብ ተሳተፍቲ ጉባኤ ደገፍን ኣድናቖትን ኣትሪፉን ስለቲ ዘካየዶ ሓያል ጻዕሪ ውን ተመስጊኑን።
ኣብቲ ዝተጋበአ ኣኼባ፡ ተደጋገፍቲ ማሕበራት፡ ኣብቐጻሊ ክግበሩ ብዘዓባ ዘለዎም ጉዳያት ዘትዮም፡ መድረኽ ቦለኛ ንኽድንፍዕን ሓያል ጽልዋ ኣብ መስርሕ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ንኽህልዎ ዘኽእልን ጠቐምቲ ውሳኔታት ኣመሓላሊፎም።
እቲ ኣብ ወርሒ ንሃሰ ኣብ ከተማ ኦኽላንድ፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ድማ ኣብ ቦለኛ ጉባኤኡ ዘካይድን መድረኽ ቦለኛ፡ ከም መቀጸልታ ናይ ነዊሕ ራኢኡ፡ ብምሉእ ርእሰ ምትእምማንን ነጻነትን በርቲዑ ዝሰርሓሉ ጉዳይ፡ኣብ ውሽትን ኣብ ወጻኢን ዘለዉ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ንኽለዓሉ ምጉስጓስን ምትብባዕን ፈልሲ ዲሞክራሲ ኣብ ሃገርናን ህዝብናን ምትካል እዩ። ስለ ዝኾነ፡ ሎሚ ውን፡ ኩሉ ሃገራዊ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ብንቕሓት ክሳተፍ ደጊምና ንዕድም።

መድረኽ ቦለኛ፣ ለንደን – 21 ሓምለ፣ 2015

BOLOGNA SUMMIT - LONDON 2015

BOLOGNA SUMMIT - LONDON 2015(2)

BOLOGNA SUMMIT - LONDON 2015(3)

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9801

Posted by on Jul 29 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net