ገምጊሙ አኼባታት ኤርትራዊ ሃገራዊ ልፍንቲ

enc

ገምጊሙ አኼባታት ኤርትራዊ ሃገራዊ ልፍንቲ

01 – 15/12/2015


ERITREAN NATIONAL COALITION

 

አብ ዝሓለፈ ሰሙናት ፈጻሚት አካል ኤርትራዊ ሃገራዊ ልፍንቲ ተደገጋሚ አኼባታት ብምግባር ኩነታት ሃገርናን፡ዞባናን፡ዓለምናን ብዕሙቀት ገምጊሙ። ሎሚ ኩነታት ሃገርና ዘይፈልጥ የሎን። እንተዀነ ግን ብናህሪ ተጠርኒፉ ከይብገስ  ዝዓገቶ ነፍሰ ምትእምማን ስለ ዘይገበረ እዩ። እዚ ዋላ ሓቕታት እንተሃለዎ፡ ቅድሚ ህዝብን ሃገርን ምድሓን ዝዀነ ዝግበር ፖለቲካዊ ፍልልያት ተቀባልነት ክህልዎ አይክእልን እዩ። ውልቀ ውድባዊ ዕብለላ ንምርግጋጽ ዝግበር ዘይመሰረታዊ ምስሕሓብ ንሃገራዊ ቃልሲ ደው አቢልዎ ይርከብ። ስለዚ ፈጻሚት አካል ልፍንቲ ቅድሚ ኩሉ ሃገርን ህዝብን ምድሓን ክስራሕ አለዎ ይብል።

 

  1. አብ ሃገርና ብሰንኪ ጨፍላቂ ጉጅለ ዘሎን ዘየሎን ዘጠራጥር፡ ዝፈላሊ፡ ፈጠራዊ ምህዞታት እንዳዘርገሐ፡ ህዝቢ አብ ነንሕድሕዱ ንኸይተአማመን ዝገብሮ ናይ 03 ምልኻዓት ህግደፍ ግሩህ ሰብ ዋላ ዓቅሚ አሎኒ ዝብል ዘታልል እዩ። ብእምነትና ገበነኛ ስርዓት ብህዝቢ ከይሕተት፡ ገበናቱ ክከላኸል አብ ስልጣን ክህሉ ስለ ዘለዎ፡ ምህዞታቱ ክሳብ ዝወድቕ  ነባሪ እዩ። ነዚ አብ ጸብጻብ ብምእታው ፈጻሚት አካል ኤርትራዊ ሃገራዊ ልፍንቲ፡ ልዕሊ ዕላማ 03 ክንከውን ናይ ግድን እዩ ንብል። ካብ’ዚ ብምብጋስ ኩሉ ተቃውሞ ፍልልያቱ አጻቢቡን ተጸዋዊሩን ናብቲ ቀዳማይ ዕላማ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ንምዕዋት  ሰሚሩ ክስጉም መተካእታ ዘይብሉ ስትራተጂካዊ መደብ ክኸውን አለዎ ይብል።

 

  1. ኩነታት ተቃውሞ፡-   አብ’ዚ እዋን’ዚ አብ ወጻኢ ዝርከብ ኤርትራዊ ዝበዝሐ አንጻር ስርዓት ህግደፍ ደው ኢሉ አሎ። ዋላ’ውን ደገፍቲ ስርዓት ከምቲ ቀደም ንሕና ናቱ ንሱ ናትና እንዳበሉ ዝዕንድሩ ዝነበሩ ተቀይሩ እዩ። እዚ ሓደ ዓቢ ስዕረት ጨፍላቒ ጉጅለ እዩ። ስለ’ዚ ተግባራዊ ስጉምቲ አብ ልዕሊ ስርዓት ምስ ዝጅመር ተኽላኻሊ ከም ዘይብሉ ኩነታትና ብንጹር አርእዩና አሎ። ንአብነት አብ ጀነቭን አብ ኒውዮርክን፡ ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ ግሉጽ ዝዀነ ምልክት እዩ።

ሀ. አብ ቃልሲ ዕውት ስራሕ ክስራሕ  ጥርኑፍ ተቓዋማይ ሓይሊ ራኢ ዘለዎ ክህሉ ግድን ኣዩ። ስለዝዀነ ተቃወምቲ ሓይልታት አብ ክልተ መልክዕ ይርከብ።

 

  1. ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ እዚ ሓይሊ’ዚ ዝበዝሑ ውድባት፡ ሲቪክ ማሕበራት፡ ውልቀ ምሁራት፡ ዝጠርነፈ ኮይኑ፡ ንጹርን ምዕቡልን መምርሒ ሒዙ አብ መወዳእታ 2011 ሃገራዊ ጉባኤ ብምግባር ንመጀመርያ ግዜ 127 አባላት መሪሕነት አብ ታሪኽ ዝበዝሑ መሪጹ ወጺኡ። እዚ ምዕባለ ብቃልሲ ተዓዊቱ፡ እቲ ዘጋጥም ዘሎ ዕንቅፋታት ድማ ብቃልሲ ዝሰዓር ምዃኑ ነረጋግጽ። አብ ክንዲ አንጻር ጸላኢ ምትዃር አብ ነንሕድሕዱ ከምዘዋጥጥ  ብምግባር ብደውታ ግዝይኡ ከም ዘሕልፍ ዝተገብረ ብታሪኽ ዘይርሳዕ እዩ። እዚ ባይቶ’ዚ ዋላዃ ከምቲ ዝድለ ክሰርሕ አይኽአልም’በር፡ ምጥርናፉ ክምስገንን ክሕብሓበን ይግበኦ፡ ምኽንያቱ ንኩሉ ኤርትራዊ ዘሳተፈን ዝጠርነፈን ከቢድ ሓይሊ እዩ። ስለ ዝኾነ፡ ባይቶ ኩነታቱን አተሃላልውኡን መዚኑ፡ ጉድለታቱ አሪሙ፡  ሕጋዊ አገባቡ ሰሪዑ፡ ካልአይ ሃገራዊ ጉባኤ ንምግባር ይሸባሸብ አሎ።

 

  1. ፈጻሚት አካል አሪትራዊ ሃገራዊ ልፍንቲ፡ ኩሎም ወጻኢ ካብ ሃገራዊ ባይቶ ዘለዉ፡ ውድባት፡ ሲቪክ ማሕበራት፡ መንእሰያት፡ ደቂ ኣንስትዮ፡ አብ ካልአይ ሃገራዊ ጉባኤ ክሳተፉ ምግባር ሃገራዊ ዕማምና ብሓባር ከነካይድ ወሳኒ እዩ ንብል።

 

 

 

 

  1.  ፈጻሚት አካል አብ ጉዕዞ  ንዝነበሮ ተመክሮ ብምምዛን፡ ዝጸንሖ ሕጽረታታ ብምእራም፡ አብ ቀጻደ ስርርዕ ብምግባር ሃገራውን ደሞክራስያውን ቃልሲ ብጽንዓት ክሳብ ዓወት ክቅጽል ምዃኑ ቃል ይአቱ።

አብ መደምደምታ አብ ምውዳብን ምምስራትን ኤርትራዊ ሃገራዊ ልፍንቲ ዓቢ ግደ ዝተጻወተ ስውእ መምህር ዑመር ጃብር፡ ብመስዋእቲ ተፈልዩና። ዝተኸሎ ታሪኻዊ ምጥርናፍ ዕላማኡ ብጽንዓት ቀጥ ኢልና አብ መዓልብኡ ከነብጽሖ ምዃንና ነረጋግጽ።

 

 

 

ውድቀት ንፋሽስታዊ ስርዓት ህግደፍ!!

ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!!

ዝኽርን ሞገስን ንጀጋኑ ስውአትና!!

.

 

ኤርትራዊ ሃገራዊ ልፍንቲ

ዘና በትጽሕፈት

18/12/2015م

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10033

Posted by on Dec 19 2015 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net