ውዳበ ናብ ዓወት ከብጽሕ ዝኽእል ጥርናፈ ኢዩ

ensf - hidri

ሓፋሽ ይወደብ፡ ይንቃሕ፡ ንመሰሉ ይቃለስ፡ ብዝብል መሪሕ ህዝባዊ ቃልሲ ንምልዕዓል፡ ኣባላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ ጨንፈር ኣዲስ ኣበባ፡ ብዕለት 24 ጥሪ 2016 ኣብ ቤት ጽሕፈት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ ሰፊሕን ካብ ናይ ቅድሚ ሎሚ ብዕሙቕ ዝበለ ደረጃን ወርሓዊ ኣኼብኦም ኣካይዶም፡፡ እዚ ብሓላፊ ውደባ ግሃድኤ-ሕድሪ ጨንፈር ኣዲስ ኣበባ ብጻይ ፍስሃየ ሃይሉ፡ ብሓላፊ ውደባ ኣብ ኢትዮጵ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ብጻይ ተስፋሚካኤል ኣርኣያን ምኽትል ኣቦ ምንበር ግሃድኤ-ሕድሪ ብጻይ ጥዑምዝጊ ጠዓመን ተመሪሑ ዝተሰላሰለ ወርሓዊ ኣኼባ፡ ብፍላይ እኳ ብጻይ ፍስሃየ ሃይሉ ኣብ ዘቕረቦ  መዛረቢ ዛዕባ ስለምንታይ ኢዩ ሓፋሽ ከም እቲ ቃልሲ ንናጽነት ኢሉ ተወዲቡ ዝተቃለሶ፡ ንክብሪ ሓርነቱ ንምቅላስ ግን ከምእቲ ዝድለ ዘይኮነ፡ ዋላ እንተተወደበ ከኣ መብዛሕትኡ ዝተወደበ ዓቕሚ ሰብና ናብ ትግባረ ቃልሲ ከይሰግር ማሓኑቖታት ኮይንዎ ዘሎ ዝተፈላለየ ምኽኒትን እንተታትን ብዝርዝር ድሕሪ ምብራህ፡ እዚ ኣብ መላእ ዓለም ክሳብ ሕጂ ተወዲቡ ዘሎ ዓቕሚ ሰብ’ውን እንተኾነ ናብ ሩኡይ ዝኾነ ኣበርክቶ ኣብ ቃልሲ ንኽሰጋገር ክንበላሓትን ኣገባብ ኣወዳድባና ጽፈት መለለይኡ ክኸውንን፡ ከም ናይ ኣብ እስራኤል ዘሎ ውዳቤና ኣብነት ብምውሳድ ተባዕ፡ ስጡምን ውፉይን ሓይሊ ውዳበ ክህልወና ምእንቲ ኣበርቲዕና ክንዓዪ ይግበኣና ኢዩ ኢሉ፡፡

ኣብ እቲ ዝቐጸለ ክፍለ ግዜ ገዲም ተቓላሳይ ንፍትሒ ብጻይ ተስፋሚካኤል ኣርኣያ ኣብ ዘስመዖ ንኣወዳድባ ዝምልከት መብርሂ፡ ገድሊ ንሓርነትና ከቢድን ምስላጥ ዝተሳእኖ ጉዑዞን፡ ካብ ክኸውን ጌርዎ ዘሎ ቀንዲ ምኽንያታት፡ ናይ ሃገርና ውድባት ሜላ ንኣወዳድባ ሓፋሽ ህዝቢ፡ ህዝባዊ ወጽዓ ማእከል ዝገበረ ኣብ ክንዲ ዝኸውን ኣብ ፍልልያተን ብምድሃብ ንቀንዲ ብዓል ቤት ናይ መትከል ጸላኢአን ዝኾነ ጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ ረሲዐን ሕድ-ሕደን እስከ ትሓልፍያ ብምባል፡ ህዝቢ ክጉስጉሳ ከለዋ ነተን ሓርነት ከምጽኣ ዝወፈራ ከምአን ዝበላ ውድባት እንዳ ሸምጠጣን እንዳሓመያን ንሓፋሽ ክውድባ ህርድግ ስለ ዝብላ ኢዩ፡ ድሕሪ ምባል፡፡ ንሕና ግን ኣወዳድባና ካብ ምትህልላኽ ምስውድባት ዝረሓቐ፡ ንዘየርባሒ ወገናውነት ወይ ጸግዒ ዝፈንፈነ፡ ንኻልኦት ባእታታት ከቕሕሩ ወይ ከተሃላልኹ ዝኽእሉ ነጥብታት ዘየልዕል፡ ሃገራዊ ህዝባዊ ውዳበ ከነካይድ ከም ዝጸናሕና መጠን ብዝሓየለ መልክዑ ክንቅጽሎ ኣሎና ኢሉ፡፡

ምኽትል ኣቦመንብር ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ-ሕድሪ ብጻይ ጥዑምዝጊ ጠዓመ ብወገኑ፡ ንህሉው ኩነታት ህዝብና ኣብ ስደትን ውሽጢ ሃገርን፡ ጎድኒ ጎድኑ ከኣ ኩነታት ሃገራውያን ውድባትና፡ ንጥፈታት ውድብ ብፍላይ ከኣ ዝንኣድ ወፍርታት ሰራዊት ሕድሪ፡ ጽቡቕ ናይ ምቅርራብ መንፈስ ናብ ስራሕ ዝኣንፈተ ምዕባለ ልፍንታዊ ሓይሊ 6 ፖለቲካውያን ውድባት ሃገርና ብዝርዝር ድሕሪ ምግላጽ፡ ውዳበ ሓይሊ ኢዩ እሞ፡ ምጽላእ ንተግባራት ህግደፍን ብተናጸል ዝካየድ ቃልስን ናህሩ ዓቂቡ ርኡይ ዝኾነ ለውጢ ከመዝግብ ዘይሕሰብ ብምኳኑ፡ ውዳበ ከኣ ናብ ዓወት ከብጽሕ ዝኽእል ጥርናፈ ሓፋሽ ተቓላሳይ ምኳኑ ብምእማን፡ ንጹህ ውዳቤታት ብምዕባይን ብምስፋሕን ተልእኾ ናይ ቃልስና ከነተግብር ግድነት ኣብ ዝኾነሉ እዋን ኢና ዘለና ኢሉ፡፡

ኣብ መወዳእታ ድማ ካብ ተሳተፍቲ ብዝቐረበ ሕቶታት፡ ሪኢቶታት፡ ሓበሬታታትን ለበዋታትን ብግቡእ ብምምዛን ኣኼባ ብዝኽረ ሰማእታት ከም ዝተጅምረ ብዝኽረ ሰማእታት ብምዕጻው ዝሓሸ ስራሕ ንምስራሕ ድልውነት ክረጋገጽ ሕድ-ሕድ ብመልባው ተዛዚሙ፡፡

 

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!

ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግሃድኤ-ሕድሪ

ጥሪ 25/ 2016

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10082

Posted by on Jan 26 2016 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net