ሰሚናር: ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ – ሕድሪ ጨንፈር ጀርመን

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ – ሕድሪ ጨንፈር ጀርመን፡ ብዕለት 23.01.2016. ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት  ሰሚናር አካይዱ። ሰሚናር ብኣቦ መንበር ጨንፈር ብጻይ  የማነ ተስፋሚካኤ ተኸፍተ፡ ብጻይ አቦ መምበር ጨንፈር አብ መኽፈቲኡ ንኣኼበኛታት እንቛዕ ብድሓን መጻእኩም ድሕሪ ምባል፡ ብምክንያት  ጠባይ ኣየር ደቡባዊ ጀርመን፡ ንሰሚናር  ከርክቡ ዘይካኣሉ ከምዘለዉ ድሕሪ ምሕባር መድረክ ንብጻይ ፍስሓጽዮን ገብረ ኣባል ፈጻሚት ኣካልን ሓላፊ  ወጻኢ ጉዳያት ተዋህበ::

ሓላፊ  ወጻኢ ጉዳያት ውድብ ግሃድኤ – ሕድር ብጻይ ፍስሓጽዮን ገብረ ብወገኑ ኹነታት ሃገርናን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ሓፋሽ ህዝብናን ብሰንኪ ምሕደራ ሰዓት ህግደፍ ዝወርዶ ዘሎ ስቃይን መከራን  ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳኸፍኤ ይከይድ ምህላዉ ብሰፊሑ አብሪሁ፡ ብጻይ ፍስሓጽዮን ገብረ  አብ መግለጺኡ፡ እቲ ብፍትሓውያን ኤርትራውያን አብ ዝተፈላለየ ክፍለ ዓለምና ከም ንኣብነት አብ ጀነቭን አብ ሕቡራት አሜሪካ ዝተኻየደ አድማዒ ሰላማዊ ሰልፊ አንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ አሸባሪ ስርዓት ምኳኑ፡ ብሕብረተሰብ ዓለም ውን ከይተረፈ ማዕቀብ ዝተበየነሉ፡ ገበነኛ ስርዓት ምኳኑ አስሚሩሉ። ህግድፍ ኣብ ኤርትራ መሰል ወዲ ሰብ ረጊጹ : ንመንእሰያትና ኣብ ዘይተገደበ ወተሃዳራዊ ኣገልግሎት ጸሚዱ ብባርነት ዝሓዘ ክንሱ፣ መስደዲና ናይ ቍጠባ ሽግር እዩ እምበር ፖለቲካዊ ኣይኮነን፣ ኣብ ሃገርናውን ግህሰት ሰብኣዊ መሰል የለን፣ ሃገራዊ ኣገልግሎትውን ብድልየትና ኢና ንኸይድ ኔርና፡ ኢልኩም  ብውሽጢ ውሽጢ ፈርሙለይ እናበለ፡ ንብዙሓት ከገድድን ከደናግርን ይርአ ኣሎ፡ ህግደፍ ብሓሶት ንንህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ዓለምን ንምድንጋር ዝፈጥሮም ዘይተኣደኑ ሓሶታት ንመጀመርያኡ አይኮነን ክብል አቃሊዑ።

ሓላፊ  ወጻኢ ጉዳያት ውድብ ግሃድኤ – ሕድር ብጻይ ፍስሓጽዮን ገብረ ብምቕጻል፡ ብዛዕባ 6 ሃገራውያን ፖለቲካዊ ውድባት ዘካይድኦ ዘለዋ ዘተ ልፍንቲ ብሰፊሑ አብሪሁ።

ተጋባእቲ ሰሚናር አብ ዝቀረበ መግለጽን ሓበሬታን ብሰፊሑ ጽዑቕ ዘተን ምይይጥን ድሕሪ ምክያድ አብ ናይ ሓባር ርድኢት ምርዓሙ ብሓፈሻ፡ አብቲ ዝተዋህበ ናይ 6 ውድባት መግለጺ ከኣ ብፍላይ ብምሉእ ዕግበት ምውጽኡ ካብቲ ሰሚናር ዝመጸና መልእኽቲ የነጽር።

ሰሚናር ናይ  ጨንፈር ናይ 2015 ስራሓት ምምዛኑ፡ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ሓድሽ ኣሰራርሓ ምትእትታውን  ተሓቢሩ።ተጋባእቲ ሰሚናር፡ ሰራዊት ሕድሪ ዘሰላስሎ ዘሎን፡ ትብዓቱን ተዓጻጻፍነቱን  ኣሞጒሱ: ኣብ ጎድንኩም ኣለና!! ብማለት ዝከኣሎ ኩሉ ከበርክት ምኳኑ ውን ቃል ምእታዉ ካብቲ ሰሚናር ዝመጸና ርጡብ ሓበሬታ ገሊጹ።

ናይ ሕቶን ርእቶን፡  መድረክ ብምኽፋትን ኣገድስቲ ሓሳባትን ለበዋታትን ብምትሕልላፍ  ብዕግበት ኩሉ ተኻፋሊ፡ ሰሚናር ምዝዛሙ ተሓቢሩ።

 

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!

ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግሃድኤ-ሕድሪ   ዞና ኤውሮጳ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10085

Posted by on Jan 26 2016 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net