ታሽዓይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ ብዓወት ተሰላሲሉ !!

ensf baner

ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ካብ ዕለት 28 01 2016 ክሳብ ዕለት 29/01/2016 ታሽዓይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ጀርመን ብዓወት ኣሰላሲሊ።

ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ፣ ህልው ኩነታት ሃገርናን ዞናናን ዝምልከቱ ዓበይቲ ዛዕባታት ብምልዓል፣ ኣብ ልዕሊ ሃገርናን ህዝብናን ብህግደፍ ዝፍጸም ዘሎ ተንኮልን ኣገጣጥማኡን ብሰፊሑ ከም ዝተላዘበ ተረጋጊጹ። ቀጺሉ ፈጻሚ ኣካል ካብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ጽሕፈታቱ ዝቐረቡ ጸብጻባት ብዕምቆት ድሕሪ ምርኣይ፡ ካብ 8ይ ስሩዕ ኣኼብኡ ክሳብ ሕጂ ዝተሳላሰሉ ዕማማት  ኣውንታውን ኣሉታውን ጉድንታቶም ብወድዕነት መዚኑ። ካብ`ዚ ብምብጋስ ከኣ ናይ ዝመጽእ መድረኽ መደብ ዕዮ ከም ዝሓንጸጸ ተፈሊጡ።

ኣብ ርእሲ’ዚ 9ይ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ብዛዕባ እቲ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ዝጀመረ ሰሚናር ኣባላት ውድብን፣  ጽባሕ ዕለት 30/01/2016 ዝጅመር ሓፈሻዊ ናይ ህዝቢ ሰሚናርን ኣስፊሑ ከም ዝተዛረበሉን፣ ነዚ ንምዕዋት ክሳላሰሉ ዘሎዎም ጉዳያት ከም ዝደህሰሰ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረጋጊጹ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ፈጻሚ ኣካል ነቲ ናይ ህዝቢ ኣኼባ ብምምራሕ ህዝብናን ሃገርና ከነድሕነሉ እንኽእል ኣገባብ ሰሪዑ ምስ ሓይላታት ደለይቲ ፍትሒ ብምስምማዕ ብሓባር ኣንጻር ጸላኢ ህዝብናን መሬትና ዝኾነ ምልካዊ ጉጅለ ህግደፍ ክንገጥመሉ እንኽል ኣገባብ ቃልሲ ኣብቲ ሰፊሕ ህዝባዊ ሰሚናር ከቕርብ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ጉዳይ  ምስልሳል  ህዝባዊ ሰሚናር ብቁልጡፍ  ኣብ ሰስዓቱ ከነመሓላልፎ ስለ ዝኾና ኩሉ ደላይ ፍትሒ ክትከታተሉና ነማሕጽን። ኣብ ርእሲ እዚ ዘለዋ ናይ ኤርትራውያን ናይ ፓልቶክ ክፍልታት ነዚ ኣገዳሲ ህዝባዊ ሰሚናር ብቀጥታ ናብ ህዝቢ ከቐርባኦ ተስፋ ንገብር።

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ !

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

29/01/2016

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10095

Posted by on Jan 30 2016 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net