ብዕራይ!! ሳዕሪ እምበር ገደል ኣይረኣኻን!!

ensf - hidri

ብዕራይ!! ሳዕሪ እምበር ገደል ኣይረኣኻን!!

ብተጋዳላይ ሞራል ተኽለሃይማኖት

 

ኩሎም ኣህዛብ ዓለምና ኣብ ታሪኻዊ ኣመጻጽአኦም ምስ ባህልን እምነትን እናተኣሳሰረ ዝጠምር ናይ ሓባር ረቋሒ ኣለዎም፡፡ እዚ ብዘየገድስ እምነት፡ ዓሌት፡ ቋንቋ፡ ኩሎም ኣብ ትሕቲ ሃገር የጽልሉ፡፡ ህዝቢ ባዕሉ ድማ ነዚ ጥርናፈ ክነብር ዝገብር፡ ሓበራዊ ደጀን ከይድፈር ይከናኸን፡ ንኽብሩ ዝበቅዕ ወይ ዝመጣጠን መስዋእቲ ብኹሉ መዳይ ይኸፍልሉ፡፡ ካብ ህዝብታት ዓለምና ነዚ ዝበቅዕ መስዋእቲ ካብ ዝኸፈሉ ድማ ህዝብና ህዘቢ ኤርትራ ኢዩ፡፡ ኤርትራ ሃገርና ካብ ኣረቋቑሓኣ ጀሚርካ ብሰንሰለታዊ ተኸታታሊ መግዛእቲ ዝረብረበትን ክሳብ ዕለተ ሎሚ ህዝባ፤ ካብ ኣሰቃቒ ባርነት ዘይተገላገለ ኮይኑ ንረኽቦ፡፡ ይኹን እንምበር ንመግዛእቱን ጭቆኑኡን ኣሜን ኢሉ ተንበርኪኹ ዝረዓመሉ እዋን ግን የለን፡፡

ንኣብነት ኣብ ግዜ መግዛእቲ ጃኑሆይ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ዘሕደሮ ሃገራዊ ፍቕርን ሕድ-ሕድ ምርኩስ ዝገበረ ምክብባርን ንኽብርዕን፡ ሰማይ ጠቀስ ተንኮል ተማህዘሉ፡ እዚ ኣብ ዘይ መሰረታዊ ምክፍፋል ዘተኮረ ኣብራሲ ፖሊሲ ስርዓት ጃኑሆይ ዝበዝሕ ምትኹታዃት ኣብ እምነት ግብረ ሽበራ እንዳመልመልካ ህዝቢ ምብስባስን ካብኡ ዝበኣሰ ናይምክፍፋል ውዲት እንዳኣለመ ግዝኣቱ ከንብር ልዑል ሃቐነ ገበረ፡፡ ካብኡ ብዘይሰንፍ ውን ብዑሙታት ሕልና ኣልቦ ወይጦቶቱ ኣቢሉ ህዝቢ ከፋልስን ናይ ኣገዛዝኡኡ ኣጀንዳ ንምትግባር መሰረት ዘይብሉ ስብከትን ምድንጋርን ዘመተ ብሱዉርን ቁሉዑን ከሰላሰለ ህርድግ ይብል ነበረ፡፡ በዚ ዝተደናገሩ ሰባት እውን ኣይሰኣኑን ነበሩ ልክዕ ከም እዚ ቕንያት፡፡

ኣብ እቲ ግዜ ሓደ ለባምን ብልህን ኣቦ ኩሉ እቲ ነገራት ስለ ዘስደመሞም፤ ህዝቢ ክሕበልን ፍረ ዘይብሉ ወረ ዝደግሙን እውን ስለዘይተሳእኑ፡ ስርዓት ጃንሆይ ዝነዝሖ ገደብ ኣልቦ ወፍሪ ሓሶት ንማሕበራዊ ዝምድና ህዝቢ ዘማህምን ውህደት ሓፋሽ ዝሸራርፍ ዘይቅዱስ ኣገባብ ስለዝዓብለለ፡ ህዝቢ ኣርሒቕካ ጠምት፡ ልቢ ንበል፡ ብዘስምዕ ኣበሃህላ “ብዕራይ! ሳዕሪ እምበር ገደል ኣይረኣኻን!! “ ብዝብል ምስላ ነቲ ኩነታት ገለጽዎ፡፡ ብርግጽ ከኣ እዚ ኣበሃህላ ረዚን ቁምነገር ዝሓዘለ ኣብ ባይታ ዘይወድቕ መልእኽቲ ኣለዎ፡ መሲልካ እንታይ ኣምጻእካ? ድዩ ዝበሃል: ብውልቃዊ ጥቕሚ ልቦንኦም ዝዓወሩን ዝሰኸሩን ህግደፋውያንን ወይጦታቶምን ወዲ ድሙ ነይገድፍ ግብረ እሙ ከም ዝበሃል፡ ሓለቓ ናይ እቲ ዓንዳርን ዘይሳይነሳዊ ስርዓትን ዝኾነ ኢሳያስ፡ ነቲ ጋሕማጥ ስርዓተ ምሕደርኡ ዘጉልሕ ዝርርብ ኣካይዱ፡፡እቲ ዝገርም ከኣ ምስ ባህሪያቱ ዘይቃዶ ብጨጓር ልሳኑ ጌሩ፡ ብዛዕባ ህዝቢ ዝመያየጠሉ መድረኽ፡ ብዛዕባ ብጸገም ዝሓለፈ ግዜ፡ ንቁጠባዊ ዝቕባበ ዝግድብ ሜላ ኢሉ ዝሓሰቦን ወሰኽ ደመወዝን ዝብሉ ከም ኣመሉ ንፈጣጥ ሓሶታቱ ዝኽሽሑን ዘይትግበሩን ሃለው-ለዉ ከስምዓና ቀኒዩ፡፡

እዚ ከኣ ከም ወዮ ትኽስ ድሙስ መዘንጊዒ ኣንጭዋ ዝበሃል መዳህለልን ደኾን ሎምስ ሓቂ ትሰትኮ ኢሉ ሓፋሽ ካብ ዝጀመሮ ኣንጻር ወጽዕኡ ምቅላስ ንምድንጋር ጥራሕ ኢዩ፡፡ ሓፋሽ ግን ፈሊጥዎ ኣሎ ዓጀውጀው ህግደፍ ነቲ ካብ ምዕማጽ ክበኩር ዘይክእል ባህሪኡ ብምስሉይነት ንምጉልባብ ምዃኑ፡፡ ህግደፍ ግብረ እከዩ ዘታትየሉ መብጽዓ ደርዲሩ ኣብ ዘመነ ቅባጸቱ መንበረ ምልኩ ከናውሕ ያኢ ቡጹእ ክመስል፡ ንድኽነት ቀዲምናያ ንጽናሕ፡ ድሕሪ ሎሚ ስእነት ዝበሃል የለን ዝብል ጉልባብ ናይ ሃገር ምምራሕ ፍሽለቱ ዘግሃደ ነሕልፎ ዘለና ከቢድ ሕሰም ንምኽሃድ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሰራዊትን ዘለዎ ንዕቀት ዘጉልሕ’ውን ኢዩ፡፡

ሓሳውን ቖርበትን እንዳሓደረ ይፈኩስ ከም ዝበሃል፡ ሓሳውን ተኹታዂን ባህሪ ህግደፍ ናይ ቁምነገር ርካብ ስለ ዘይብሉ፡ ንዓቀይቶቱ ዘውርይዎ ወረ መሰረት ኣልቦ መብጽዓን ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ሓሶትን ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ ክነቕሕሉ ይግባእ፡፡ ምኽንያቱ ህግደፍ ሓደ ደባሕን ኣያ ባርነትን ካብ ኮነ፡ ህዝብበን ሰራዊትን ድማ ጭቁንን ጭጉራፍ ባርነት ዝልብልቦ ዘሎ ካብ ኮነ፡ ዘራኽብ ቅንጣብ ዝምድና የብሎምን፡፡ ከም እዚ መለበምን ኣይግበርካ መለበምን ኣይኽላእካ ዝበሃል፡ ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ ብደመኝኡ ዝኾነ ህግደፍ ዝወርዶ ዘሎ ገደብ ዘይብሉ ስቅያት ክልብመሉ እምበር ብዘይትግባረ ሃለፍለፍ ህግደፍ ተደዓዒሱ መለበሚ ክኸውን ዘይኮነስ ንፍትሕን ልዕልና ሕግን ደው ክበለሉ ዝግባእ ሰዓት ኢና ዘለና፡፡

 

 

ከም እቲ ናይ መድረኽ ሰብ ቻርለስ ቻፕሊን ኣብ መደርኡ፡ ንኹሉም ኣብ ኣርዑት መግዛእቲ መጋበር ውልቀ መለኽቲ ኮይኖም ንዘነብሩ ዝናገፉሉ ድምጺ ዘጋውሐ፡ ሰራዊት ኤርትራ ድማ ኩሉ ከርተቱ ንስለ ህዝብን ሃገርን ኤርተራ ሓልዩ እኳ እንተ ኾነ፡ ተረባሒ ግን ህግደፍ እምበር ህዝቢ ይኹን ሃገር ወይ ገዛእ ነብሱ ስለ ዘይኮነ ብምስምስ ሉኡላውነት ሃገር ዝግበር ዘሎ ምዝመዛን ተበላጽነትን ጥሉል መናውሒ መንበረ ባርነት ስለ ዝኾነ፡ ነዚ ንዝኣመኖ ህዝቢ ኪሒዱ ኣብ ናይ ገዛእ ነብሱ ዘይፍታሕ ሕንቂል-ሕንቂሊተይ ኣትዩ ዘሎ ከም ብዓል ቆለ ብዘይ ዛዕጎል ሚስጥረ ጥንቆልኡ ዘይበንን ከይመስለና፡፡

ካብ እዚ ተበጊስና እምበኣር ንኹሉ ሰራዊት ኤርትራ ብስም ንመሰልካን መሰል ህዝብኻን፡ ዲሞክራስዊት ሃገር ክትህልዎ ህዝበኻን ሃየ ሕበር፡ ነዞም ናይ ሰብ ባህሪ ዘይብሎም ወይጦት ህግደፍን ላኣኽቶምን ካብ ዝባና ውረዱ በሎም፡፡ ኣንጻር ባርነት ብምልዓል ንህላወ ህዝብን ሃገርን ብምትሳእ፡ ናብ እዚ ጸረ-ልዕልና ሕግን ጸረ-ሰብኣዊ መሰልን ዝኾነ፡ ሃዋኺ ብስስዐ ዝዘቕበበ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ዝመርሖ ናይ ጭቆና ስርዓት ኣፈ-ሙዝካ ኣቕንዕ፡ ነዚ ኣይኮነን ዶ መነባብሮ ከምርሕስ ይትረፍ ንድራር እለት እኳ ክኣክል ዘይኣክል መጠበሪ ዝሓሰቦ ደመወዝ ወሰኽ ዝሰመዮ መተግበሪ ንምንዋሕ ስልጣኑ ክንነቕሓሉ ኣለና፡፡ እቲ ነቲ ብብዕራይ ዝተመሰለ ምዕዶ ናብ ነብሲ-ወከፍና ብምትረጓም ከኣ ሳዕርን ኣብ ገደልን ብምባል፡ ንሕና ጽምኣት ሓርነት ጽምኣት ሰብኣዊ-ክብሪ ዘለና፡ ኣብ ገደል ባርነት ክንነብር ዘይንፈቅድ፡ ኩልና ቅልጽምና ኣሕቢርና ኢደ-ኢድካ ንበል ዓወት ክንድረር ዓወት  ክንብሰር፡፡

 

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!!

ዓወት ንሃፋሽ ብተግባር!!!

ሞራል ተኽለሃይማኖት

ካብ ግንባር ሰራዊት ሕድሪ

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10098

Posted by on Feb 1 2016 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net