ኣገድሲ ሰሚናር ኣባላት 2 ምሓዙት ውድባት ኣብ ስቱትጋርድን ከባቢኣን፡

esnf hidri 7 2016

ኣባላት ምሓዙት ውድባት ግንባር ሓገራዊ ድሕነት ኤርትራ -ሕድሪን: ስምረት ምንቅስቃስ ኤርትራ ንድሕነት ሃገርን ጨንፈር ስቱትጋርድ: ሎሚ ዕለት 06.02.2016 ኣገዳስን ውጽኢታውን ሰሚናር ኣካይዶም::

መሰረታት ናይ ክሊቲኡ ምሓዙት ውድባት፡ ንኹነታት ተቃውሞ ደምበ ብሓፈሻ ኩነታት ነዚ 2 ምሓዙት ውድባት ከኣ ብፍላይ ምውቅ ምይይጥ ኣብ ዘካየደሉ እዋን፡ ኣቶኪሩሉ ዝዋዓለ ዘተ፡ ሓድነት እንኮ ምርጫ ክም ምኻኑ መጠን ብዘይ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ዘለዎ ዓዘቅቲ  ክወጽእ ከምዘይክእል፡ ኩሉ ዝፈላልየካ ነጥቢ ኣብ መስርሕ ቃልሲ እናወገድካ በቲ ዘሰማማዓካ ክትሰርሕ ይግባእ ንዝብል ኣምር ኣኸበኛ ብምሉእ ድምጺ ኣስሚሩሉ::

በዚ መሰረት ሰሚናር ነቲ ብላዕለዎት መሪሕነት ናይዚ ክልተ ምሓዙት ውድባት ዝኸይድ ዘሎ ናይ ሓድነት መስርሕ፡ ብምሉእ ድምጺ ከምዝድግፎን ንምዕዋቱ ካብኡ ዝጥለብ ኩሉ ከማልእ ምኳኑ ኣረጋጊጹ። ናይ መጻኢ ኣጀንድኡ ብምስራዕ ሰሚናር ከምዝተዛዘመ ካብቲ ቦታ ዝመጸና ርጡብ ሓበሬታ የነጽር።

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!

ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!!

 

ክፍሊ ዜናን ባህልን ዞና ኤውሮጳ

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10119

Posted by on Feb 7 2016 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net