መግለጺ 6 ውድባት ኤርትራ

ብጉዳይ ማእሰርቲ ኣባላት ተ..ኤ ኣቦ መንበር ውደብ ገዲም ተጋዳላይ ሑሰን ከሊፋን፡ ዓብደላ ሓምዶይን

ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ቅንያት ብዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ከም ዝተገልጸን፡ ካብ ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ከም ዝተረጋገጸን፡ ነባር ገዲም ተጋዳላይ ሑሰን ከሊፋ ኣቦ መንበር ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን፡ ኣባል ፈጻሚት ዓብደላ ሓምዶይን፡ ብሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ተሓይሮም ምህላዎም እዩ። ብወገንና እውን ጉዳዩ ብጽሞና ክንከታተሎ ጸኒሕና።

ኣብ ታሕቲ ኣስማቶም ተዘርዚሩ ዘሎ 6 ውደባት ኤርትራ ነቲ ኣብ ልዕሊ ነባር ተጋዳላይ ሑሰን ከሊፋን ዓብደላ ሓምዶይን ብሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ተፈጺሙ ዘሎ ጉዳይ፡ ኣዝዩ ከም ዘተሓሳሰቦምን፡ እዞም ዜጋታት ብዘይካ ሒዞሞ ዘለዉ ሃገራዊ ቃልሲ ንጸጥታ ሱዳን ዘስግእ ነገር ስለዘይንፈልጠሎም፡ ብዝሓዝዎ ጸረ ስርዓት ህግደፍ ፖለቲካዊ እምነት ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ምሕያር ኩነታት ከጋጥሞም፤ካብ ፈታዊ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ መንግስትን ህዝብን ሱዳን ዘይንጽበዮ ጉዳይ ምኳኑ ክንገልጽ ንፈቱ።

እዚ ጉዳይ መንግስቲ ሱዳን ብዕቱብ ርእዩ፡ ነዞም ዜጋታት ኣብ ዝኸፍኤ ናይ ጥዕናን ናይ ጸጥታን ሓደጋ ከይወድቁ፡ ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን ፍትሓውን ሕውነታውን መፍትሒ ክገብረሉ ብደረጃ እዞም ሽዱሽተ ውድባት ምሕጽንታና ነቕርብ።

ከም እምነትና ህዝብን መንግስትን ሱዳን ካብ ትማሊ ክሳብ ሎሚ ኣብ ምሕጋዝን ምቅባልን ስደተኛታት ዜጋታት ኤርትራ ዝተጻውቶ ተራ ዓቢ ኢዩ። እዚ ታሪኽ’ዚ ኣብ ልብታት ህዝቢ ኤርትራ ዘይሃስስ ወትሩ ህያው እዩ። ሕጂ’ውን መንግስቲ ሱዳን ነቲ ኩነታት፡ ካልእ መልክዕ ከይሓዘ፡ ኣብቲ ናይ ትማሊ ቦትኡ ኮይኑ፡ ከም ወትሩ ኣብ ጎድኒ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ደው ክብል፡ ንገዲም ተጋዳላይ ሑሰን ከሊፋን ዓብደላ ሓምዶይን ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ነጻ ክለቆም ደጊምና ንላቦ።

ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ናይ ኩሉም ፍትሓውያን ህዝብታት ቃልሲ ኢዩ ! !

ህዝባዊ ሓርነትና ብጽንዓትን መኸተን ህዝቢ ኤርትራ ክዕወት ኢዩ ! !

6 ውደባት

  1. ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሳሆ ኤርትራ፡
  2. ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ -ሕድሪ፡
  3. ኤርትራዊ ስምረት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡
  4. ሰውራዊ ዲሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ፡
  5. ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ፡
  6. ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር።

                                       09/ለካቲት/2016

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10137

Posted by on Feb 12 2016 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net