News

መሪሕነት ግሃድኤ ኣብ ኤውሮጳ ዘካይዱ ዘሎ ዑደት ብምቕጻል ኣገዳሲ ርክብ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ፈጺሙ !

ensf baner

ከም መቐጸልታ ናይ’ቲ ላዕላዋይ መሪሕነታዊ ልኡክ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዘካይዶ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ዑደት፣ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ኣካል ዶር. ሃብተ ተስፋማርያምን፣ ሓላፊ ወጻኢ ዝምድናታት ዶር. ዩሱፍ ብርሃኑን ብዕለት 08/02/2016 ኣብ ዋና መደበር  ሕብረት ኤውሮጳ EEAS(European External Action Service) ብምጻሕ ኣገዳሲ ርኽክብ ከምዘካየደ ካብ ከተማ ብሩሰልስ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ። መሪሕነት ግሃድኤ ምስ’ቲ ኣብ ትሕቲ ጽፍሒ ኣፍሪቃ ደስክ ዝመሓደር ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ኤርትራ ሓላፊት ተራኺቦም ሃናጺ ዝርርብ ከም ዘካየዱ ተፈሊጡ። ኣቐድም ኣቢሉ፣ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ዝሕብር ኣገዳሲ መዘክር፣ ብቤት ጽሕፈት ወጻኢ ዝምድናታት ግሃድኤ፣  ናብ ወይዘሮ ፈደሪካ ሞገሪኒ (FEDERICA MOGHERINI) ሓላፊት ወጻኢ ዝምድናታት ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ተላኢኹ ምንባሩ ከነዘኻኽር ንፈቱ።

 

እቲ ምስ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ኤርትራ ዝተኻየደ ኣኼባ ኣስታት ክልተ ሰዓታት ዝወሰደ  ኮይኑ፡ ዝምድና ሕብረት ኤዉሮጳ ምስ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምንታይ ዘትከለ ምዃኑን፣ ብዛዕባ እቲ ነዚ ስርዓት’ዚ ብሕብረት ኤውሮጳ ንክዋሃቦ ተወጢኑ ዘሎ ናይ 200 ሚልዮን ኤዉሮ ሓገዝን፡ ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታትን፣ ምስኡ ዝተኣሳሰር ጉዳይ ምስግጋር ደቂ ሰባትን (HUMAN TRAFFIKING)፣ ከምኡ’ዉን  ደምበ ተቓዉሞ  ኤርትራ ዘካይዶ ዘሎ ንጥፈታት ምሕባርን ዘጠቓለለ ምንባሩ እቲ ዝበጽሓና ዜና ኣፍሊጡ።

 

ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሰነ 2016 ኣብ ልዕሊ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት፡ እታ ብሕቡራት መንግስታት ዝቖመት መርማሪት ሽማግለ እተቕርቦ ጸብጻብ፣ ንጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ኣዝዩ ኣገዳስን ወሳንን ምዃኑ ልኡኽ ግሃድኤ ሓቢሩ።

 

ኤርትራዉያን ስደተኛታት  ንሃገሮም ናይ ምምላስ ብገለ መንግስታት ኤዉሮጳ ዝረአ ዘሎ ዘይተጋህደ ወስታታት ምስ ዉሳኔታት  መርማሪት ኮሚሸን  ሕቡራት መንግስታት ዝጻረር ምዃኑ ብጾት ኣቦ መንበርን ሓላፊ ቤ/ጽ ወጻኢ ዝምድናታትን፣ ህዝብና ዘለዎ ዓቢ ሻቕሎትን ስግኣትን ንሓላፊት ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ኤርትራ  ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ  ከም ዝሓበሩ ተፈሊጡ። ብዛዕባ ኩነታት ተቓወምቲ ሓይልታት ብዝምልከት፣  ዝካየድ ዘሎ ዕቱብ ቃልሲ ብምሕባር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ብምውዳቕ መስርሕ መሰጋገሪ መድረኽ ብሰላምን ብምርድዳእን ንክሰላሰል ዝግበር ዘሎ ጻዕርታት ልኡኽ ግሃድኤ ከብርህ በቒዑ።

 

ርኽክብ ብሩሰልስ ኣብ ግሉጽነት ዝተመርኮሰ ኣብ ርእሲ ምንባሩ፡ ካብ’ቲ ዝተኻየደ ልዝብ  ዝተረኽበ  ኣገዳሲ ሓበሬታታት ሰለ ዝነበሮ፣ ነቲ ዝተፈጸመ ዑደት ፍሉይ ኣገዳስነት ከም ዝሃቡ ተሓቢሩ።

 

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

12/02/2016

 

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top