ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ ኣብ ዝኸፍአ ሽቑረራ ምህላዉ ተሓቢሩ ተጋዳላይ ብርሃነ ሃይለ ዕራርቦ ምስተወሰደ ደሃይ የብሉን፡፡

ገባቲ ስርዓት ህግደፍ መቐጸልታ ናይ እቲ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጸሉ ግዜ ጀሚሩ ክፍጽሞ ዝጸንሐ ንህዝብን ኣባላት ምክልኻልን ዓፊንካ ብምውሳድ ዳሃይ ምስዋር፡ ኣብ ማእከል ህዝብን ቅርዓት ዓድን ብሰደፍ ብረትን በትርን ዝባን ሓፋሽ ምግሃስ፤ ንኹሉ ኣብ ውሽጢ ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ብዓይኒ ጥርጠራን ምፍርራሕን ብምጥማት ራዕዲ ኣብ ሙሉእ ሃገር ምእታው ይቕጽሎ ኣሎ፡፡

 

 ናይ እዚ ኣብነት ንኣቦይ በርሀ ሃንስ ዝተባህሉ ተወላዲ ሞኾ፡ ብኣባላት ስለያ ግንባር ብኮራኩር እቲ ስርዓት ተኣዚዞም ኣብ ማእከል ዓዶም ብበትሪ መሰሎም ዝግህሱን ጎቲቶም ናብ እቲ ናይ ክፍኣት መጋብሮም ዝፍጽሙሉ ቤት ማእሰርቲ ሰንዓፈ ን4 ኣዋርሕ ብምእሳር፡ መበቆል ዓዶም ገዲፎም ርዖኦም ጠቕሊሎም ክወጹ ዝተፈረዱን፡ ኣቦ ኢዮም፡፡ ካብ እቲ ከባቢ ከይወጻእና ተጋዳላይ ብርሃነ ሃይለ ዝተባህለ ሓዳሩ ኣብ ዓሰብ ዝኾነ ኣባል ስለያ ግንባር ኩሉ ኣባል እንዳርኣዮ ክዳዉንቱ ክሓጽብ ዊዒሉ ክነሱ፡ ሙሉእ መዓልቲ ምስ ወጋሕታ ክትራኸብ ዊዒልካ ብዝብል ምስምስ ክልተ ኣባላት ስለያ ኣሃዱታትን ሓደ ኣባል ስለያ ግንባርን ብናይ ፖሊስ መኪና ብምምጻእ ኣብ ቅንያት ድሮ ሓዱሽ ዓመት ን2016 ኣብ ዝነበራ መዓልትታት ዕራርቦ፡ ኢንግላንድ ብዝዓይነቱ ፈሮ(ሓጺን ዝዓይነቱ ምስምንቅስቓስ ዝሰጥም) ክልተ ኣእዳዉ ብምእሳር ወሲዶሞ፡ ሽዑ ንሽዑ ከኣ ምስ ተቓወምቲ ይራኸብ ኢዩ፡ ምስ

ወጋሕታ ክዛረብ ዊዒሉ ዝብል ወረ ከም ዝንዛሕ ጌሮም፡፡

 

እዚ ግፍዕታት እዚ መቐጸልታ ማእሰርትን ዕፈናን ናይ እቶም ንልዕሊ 14 ዓመታት ተሓይሮም ዘለዉ ሽማግለታት ከም ብዓል ኣቦይ ፈዳይን ኣቦይ ባህታን ዝተባህሉ ካልኦት ኣዝዮም ብዙሓት ደቂ እቲ ከባብን ኢዩ፡፡

 ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግሃድኤ-ሕድሪ ዝረኸቦ ሓበሬታ ብመገዲ ኣጋር ጋዜጠኛ ሰራዊት ሕድሪ ኣቢሉ፡ ኣብ ዕዳጋታት ኤርትራ ዘሎ ሕንፍሽፍሽን ወሰኽ ደመወዝን ከምኡውን ናብራ ሓረስታይ ሃገርና ዝገልጽ ሓጺር ቃለ-መጠይቕ ብመርበብ ሓበሬታ (web site)ን ገጻት face bookን ከቕርበልኩም ኢዩ፡፡

 

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!

ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!!

ለካቲት 12/ 2016

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግሃድኤ-ሕድሪ

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10143

Posted by on Feb 15 2016 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net