Bein Gederot / Between Fences

By Avi Mograbi,  Berlinale 2016

https://www.berlinale.de/de/programm/berlinale_programm/datenblatt.php?film_id=201607729#tab=video25

 

ትዕዝብቲ ብፍረወይኒ ሃብተማርያም/በርሊን-ጀርመን

 

ትማሊ ዕለት 14.02.2016; ሰዓት 5 ድሕሪ ፋዱስ፡ ተመሃሮይ ክትርእይዮ ዘለኪ ፊልም ካብ እስራኤል መጺኡ ስለ ዘሎ፡ ቲኬት ኣለና ብማለት ዓዲሞምኒ፡ ነዛ Between Fences (=Bein Gederot) እትብል ብAvi Mograbi እተመዝገበት ሃለዋት ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን የሕዋትና ኣብ እስራኤል እትሕብር ክርኢ ዕድል ረኺበ፡፡

 

ትሕዝቶኣ ብዛዕባ መሪር ናብራ ኣብ HOLOT ብዘይ ገለ ገበን ብሓጹርን  ምድረበዳን ተኸቢቦም ተኣሲሮምሉ ዘለዉ የሕዋትና ነበረ። ካብ 300 ንላዕሊ ዝግመት ሰባት እዉን ርእዮማ፡፡

 

ኩሉ ሕብረተሰብ ጨቆንትን ፍትሓውያንን ዘለዉዎ ስለ ዝኾነ፡ ኣቪ ሞግራቢ Avi Mograbi  ምስ ብጾቱን መቓለስቱን፡ ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃውያን ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ፡ ብትያትር ኣምሲሉ ንህዝቢ እስራኤል ንኸዘንትወሎም እሞ፡ ነቲ ዘሕለፍዎ ተመኩሮ ካልኣይ ውግእ ዓለም እንተ ኣዘኻኸሮም፡ ካብ ሙሉእ ዓለም ተሰዲዶም ንእስራኤል ዝኣተዉ ስደተኛታት ንባዕሎም ከም ሙኻንኖ ንኸዘኻኽሮም ብማለት እየ ነዚ ፕሮጀክት ጀሚረዮ ይብል። ነቲ ብመልክዕ ፊልም ዘርኣየና ሃለዋት የሕዋትና እውን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት እስራኤል ብመልክዕ ትያትር ከምዘርኣይዎ ሓቢሩ። ኮይኑ ግን፡ ንሂወት ስደተኛታት ዘመሓይሽ ዘመዝገብዎ ዓወት ከምዘየለ ይገልጽ። ህዝቢ ዓለም ክፈልጦ ኣለዎ ብምለት ኣብ በርሊናለ ኣብ ፌስቲቫል ምርኢት ፊልም ብመደብ ክሳተፉ ከምዝመጹ ገሊጹ።

ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን የሕዋትና ኣብ ክንዲ መሰል ዑቕባ ስደተኛታት ረኺቦም ነጻ ምንቅስቓስ ዝፍቀደለሎም፡ „መንሽሮ ሕብረተሰብ“ „መረዝቲ ሕብረተሰብ“ እናተሰምዩ ብክቱር ጽልኢ ከምዝጥመቱን፡ ዓዲ ገዲፎም ናብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ከም ኡጋንዳ ንኽኸዱ ስዉር ውዕል ከምዘሎ ይሕብሩ።

ክብራት የሕዋትን ኣሓትን ኣብ እስራኤል፡

ኩነታትኩም ጽንኩር ከም ሙኻኑ ኣብ ግምተይ ኔሩ። ስጋብ ክንድዚ ጽንኩር ሙኻኑ ንኸተዘኻኽሩ ኣብዚ ፕሮጀክት ተሳቲፍኩም ንዘይፈልጡ ከተፍልጡ ንዝዘንጋዕና ከተዘኻኽሩ ብምብቃዕኩምን ብትብዓትኩምን ምስጋናን ሞገሰን ይግብኣኩም።

 

ክቡራት የሕዋትን ኣሓትን ኣብ ዝሓሸን ዝያዳ መሰላት ዘለወን ሃገራት እንርከብ፡

ስጋብ መዓስ ኢና፡ ውርደት ህዝብና ኣብ ውሽጢ ሃገር፡ ሕስረትን ስቓይን ህዝብና ኣብ ሃገራት ስደት ኣማዕዲና ክንርእዮ?! እቶም ንቃለስ ኣለና እንብልከ ብኸመይ ኣገባብ ኢና ቃልስና ብጥርኑፍ ኣገባብ ኣፋጢና እነቃልሕን ዓወት እነመዝግበሉ መንገዲ እነናዲን?

 

በዚ ኣጋጣሚ ክምልስዋ ዘይከኣሉ ሕቶ ንኣንበብቲ ከመሓላልፋ ይፈቱ።

20 ዝኾኑ ኤርትራውያን መንእሰያት ሰሃራን ሲናይን ጥሒሶም ኣብቲ ዶብ እስራኤል ምስ በጽሑ ወትሃደራት እስራኤል ምእታው ከሊኦሞም፡፡ ንሸሞንተ መዓልቲ ዝኸውን ተጸብዮም፡ ተስፋ ምስ ሰኣኑ፡ ነተን ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ኣእትዮመን፡ ከዘንትዋ በቒዐን። እቲ ዘጋጠመ ውን ኣብቲ ፊልም ይዝንቶ፡ ኮይኑ ግን እቶም ክምለሱ ዝተገደዱ 18 ዝኾኑ ደቂ ተባዕትዮ ሃለዋቶም ንፈልጦ የለን ይብሉ። በዚ ኣጋጣሚ ካብ መዓት ሲናይን፡ ጸሓይ ሰሃራን፡ ወትሃደራት ግብጽን ወጺኦም ኣብ ሰላም ቦታ በጺሖም ክኾኑ ተስፋ ይገብር።

 

ኣብታ ፊልም፡ ነዛ ትስዕብ ደርፊ ሃይለ ገብሩ ክቓንዩ ምስ ሰማዕኩ፡ ትርጉም ፍረ ቃላታ መሳጥን ሕልና ትኹሕኩሕን ኮይና ረኺበያ።

ንሰማማዕ

ንሰማማዕ፡ ንቑሩብ ግዜ‘ና፡ ኣይኮናን ነበርቲ፡

መወቲ‘ና፡ ኣይ ሎሚ፡ ኣይ ጽባሕ፡ ኣብ ሓመድ በለይቲ፡

ንሰማማዕ፡ ንቑሩብ ግዜ‘ና፡ ኣይኮናን ነበርቲ፡

መወቲ ኢና፡ ኣይ ሎሚ ኣይ ጽባሕ፡ ኣብ ሓመድ በለይቲ፡

ተፋቒርና ንንበር፡ ሓቢርና ንዘቲ፡

ሓላፋይ እኮ‘ዩ፡ ናይ‘ዛ ዓለም ሃብቲ፡

ንሓውና ንርዳእ፡ ትእዛዝ ኣምላኽ ነኽብር፡

ብልዒ ሓላፋይ‘ዩ፡ ኣመና ኣይንሰስዕ፡

መወቲ ኢና፡ ኣይ ሎሚ ኣይ ጽባሕ፡ ኣብ ሓመድ በለይቲ፡

ስጋና ሰቢሑ፡ መልክዕና ´ተቒሐ፡

ሞት ኣሎ ዘይተርፍ፡ ካብ ቅድም ዝጸንሐ፡

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10150

Posted by on Feb 18 2016 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net