መሪሕነት ግሃድኤ ኣብ ኤውሮጳ ዘካይዱ ዘሎ ዑደት ብምቕጻል ኣብ ፈረንሳ ኣገዳሲ ወግዓዊ ርክብ ኣካይዱ

ensf baner

ላዕለዋይ ልኡኽ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣብ ሃገራት ኤዉሮጳ  ዘካይዶ ዘሎ ቀጻሊ ርኽክባት፡ ብዕለት 15/02/2016  ኣብ ርእሰ ከተማ ሃገር ፈረንሳ ፓሪስ  ዕዉት ዑደት ኣካይዱ። ብጾት ዶር. ሃብተ ተስፋማርያም ኣቦ መንበር ፈጻሚ ኣካልን ዶር. ዩሱፍ ብርሃኑ ሓላፊ ወጻኢ ጉዳያት ቤት ጽሕፈትን ኣብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ፈረንሳ ምስ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ብወግዒ ከም ዝተራኸቡ ተፈሊጡ። ሓለፍቲ ጉያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተሳተፍዎ ምስ ዳይረክተር  መላእ ኣፍሪቃ ደስክ (ናይ ኣፍሪቃ ክፍሊ) ዝተኻየደ ዝርርብ ኣዚዩ ኣገዳስን ሃናጽን ከም ዝነበረ ዝበጽሓና ጸብጻብ ኣረጋጊጹ።

 

ኣብ’ቲ፡ ኣስታት ሓደ ሰዓትን ፈረቓን ዝወሰደ ምይይጥ ብርክት ዝበሉ ዛዕባታት ተላዒሎም ምንባሮምን፣ ብፍላይ ከኣ ንጉዳይ ኤርትራ ዝምልከት ዕሙቕ ዝበለ  ናይ ሓሳባትን ሓበሬታን ምልዉዋጥ ከም ዝተገብረን ተፈሊጡ። ስርዓት ህግደፍ ዝፍጽሞ ዘሎ ዘይተኣደነ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ነታ ሃገር ኣብ ቀጻሊ ቅልውላዉ ሸሚሙዋ ምህላዉ ተላዒሉ ብዓሚቕ ከም ዝተዘተየሉ ተሓቢሩ።

 

ጉዳይ ተቓዉሞ ሓይልታት ንዲሞክራስያዊ ለዉጥን፣ተሳታፍነት ህዝቢ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ምእንት ዲሞክራስያዊ ለዉጥን፣ ከምኡ’ውን  ደረጃ ውህደት  ኣብ መንጎ ናይ ዉሽጢ ሃገርን ኣብ ደገን ዝነጥፍ   ሓይልታት ተቓዉሞን፣ ዞናውን ኣህጉራውን ምዕባሌታትን ዘጠቓለሉ ዓበይትን ሰፋሕትን ጉዳያት ከም ዝተላዕሉን ሃናጺ ልዝብ ከም ዝተኻየደሎምን ተረጋገጹ።

 

እቲ ብሕብረተ ኤዉሮጳ ንኤርትራ ክወሃብ ተወጢኑ ዘሎ ሓገዝ፡ ወድዕነት ዝሓለወ ስለ ዘይኮነ ተግባራዊ ንክኸዉን ምስ እቲ ኣብ  ባይታ ዘሎ ክዉንነት ክራጸም ምዃኑ ኣብ ርእሲ ምርግጋጽ፣ ዕድመ ናይ’ቲ ስርዓት ዘናዉሕ ደኣ እምበር ንስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ዘቃልል ከምዘይኮነ ልኡኽ ግሃድኤ ኣብሪሁ።

 

ዋሕዚ ኤርትራዉያን ስደተኛታት መሰረታዊ ጠንቁ ስርዓት ህግደፍ ዝስከሞ ገበን ምኳኑ’ዉን ብንጹር ተገሊጹ። ግህሰት ሰብእዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝበኣሰ ደረጃ በጺሑ ምህላዉ፥ ብሕቡራት መንግስታት ዝቖመት መርማሪት ኮሚሸን ንቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ ብዘየማትእ መርትዖን ብግሉጽ ሓቅታትን ተረጋጊጹ ከብቅዕ፡ እቲ ብሕብረተ ኤዉሮጳ ክወሃብ ተወሲኑ ዘሎ 200 ሚልዮን ኤዉሮ ገለ ካብ መንግስታት ኤዉሮጳ ፣ በዚ ሓገዝ’ዚ ኣቢለን፣ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ንሃገሮም ብግዴታ ንምምላስ ምስ ብሕታዊ መደባተን ዝተኣሳሰር ምዃኑ፣ ልኡኽ ግሃድኤ ብጭብጥታት ዝተሰነየ መግለጺ ከቕርብ ከም ዝበቕዐ እቲ ዝበጽሓና ዜና ኣረጋጊጹ። ኤርትራዉያን ስደተኛታት  ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዝካየድ ዘሎ ፈተነታት ክሳብ ክንደይ ሓደገኛን ምስ ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሸን ሰብኣዊ መሰላት ዝራጸምን ምዃኑ፣ ከምኡ’ውን ነቶም ዝምለሱ ስደተኛታት ኣብ ከቢድ ሓደጋ ዘውድቕ ምዃኑን ናይ ሓባር ተረድኦ ከም ዝተጠርየ ለዕላዋይ ልኡኽ ግሃድኤ ሓቢሩ። 

 

ካብ’ዚ ብምቕጻል፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፣ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ድማ ብፍላይ  ተኸሲቱ ዘሎ ሓደገኛ ምዕባሌታት፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ገዚፍ ኣሉታዊ ጽልዋ ከም ዘስዕብ ብምግላጽ፣ ስርዓት ህግደፍ፣ ንህዝብን ሃገርን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣዉሪድዎ ምህላዉ ልኡኽ ግሃድኤ ኣብሪሁ። እዚ ኣብ ዞናን ተባሪዑ ዘሎ ረጽሚ ብሰላማውን ፍትሓዉን ኣገባብ ቀልጢፉ መዕለቢ እንተዘይረኺቡ፣ ከም ሳዕቤን ናቱ ካልእ ዝዓበየ ጸጥታዊ ሓደጋታት  ኣ ብ ዞናና ከየስዕብ ናይ ሓባራዊ ሚዛን ከም ዝረኸበ ተፈሊጡ።

 

ኣብ መደምደምታ፡ ብጉዳይ ህዝብናን ሃገርናን ዘለዎም ጽቡቕ ትምኒትን ከምኡ’ውን በቲ ዝተግበረሉ ናይ ክብሪ ኣቀባብላን፣ ልኡኽ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ክብ ዝበለ ምስጋናኡ ብምቕራብ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ሸነኻት ቀጻሊ ርኽክባት ንኽካየድ ርክብ ፓሪስ ብምርድዳእ ከም ዝተዛዘመ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

 

“ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ” !!

                    

 

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

17/02/2016

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10152

Posted by on Feb 18 2016 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net