ዜናታት ውሽጢ ሃገር

   ensf baner

  ምዑታት ኣባላት ግሃድኤ ንህዝቢ ዘለዓዕል ጽሑፍ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዘርጊሖም

ትማሊ ምሸት ዕለት 18/02/2016 ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ፣ ህዝብና ፍናኑ ክብ ኣቢሉ ንድሕነቱ ክብገስ ዝጽውዕ ጽሑፍ ኣብ ዋና ከተማና ኣስመራ ከም ዝተዘርገሐ ምንጭታትና ሓቢሮም። እዚ ብምዑታት ኣባላት ውሽጣዊ ስርርዕ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዝተፈጸመ ስርሒት፣ ካብ ካርቱም ሆተል ጀሚሩ ኣብ ኣገደስቲ ጎደናታትን ህዝቢ ዝራኸበሎም ሰፈራትን ኣስመራ ብሰፊሑ ከም ዝተዘርገሐን፣ ንገለ ሰባት’ውን ኣብ ኢዶም ከም ዝተዋህቦምን እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ። “ሃብትኻ መቐጥቀጢኻ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ ጽሑፍ ግሃድኤ፣ “ክቡር ህዝብና፣ ንምንታይ ብሃብተኻን ብሃገራዊ ትሕዝቶኻን ትግረፍን፣ ትእሰርን፣ ትቕተልን ኣለኻ” “ነብስኻን ሃገራዊ ሃብትኻን ንምድሓን ንምንታይ ዘይትላዓል” “ካብ ሕጂ ዝጣዓመ ግዜ የሎን’ሞ፣ መሰልካ ንክትምንዝዕ ሃየ ተበገስ” ዝብል ሓረጋት ዝሓዘለ፣ ፍናን ቃልሲ ዘለዓዕልን፣ ጅግንነታዊ ታሪኽ ህዝብና ህያው ምዃኑ ዘዘኻኽርን ትሕዝቶ ከም ዝነበሮ ክፍለጥ ተኻኢሉ። ውሽጣዊ ጉጀለታት ግሃድኤ፣ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ’ውን ብተመሳሳሊ መልክዕ ኣብ ዝተፈለለዮ ዞናታት ከተማ ኣስመራ ጽሑፋት ዘርጊሖም ከም ዝነበሩን፣ ኣብ ቀሓውታ’ውን በርቃዊ ስርሒት ከም ዘካየዱን ዝዝከር ኢዩ። እዚ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝግበር ዘሎ ንጡፍ ምንቕስቓስ ምስ’ቲ ብኣቦ መንበር ውድብ ዶር. ሃብተ ተስፋማርያም ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ከከይዶ ዝቐነየ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ጎስጓስ፣ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፣ ኣብ ሃገርና ሱር ነቀል ለውጢ ንምርግጋጽ ኩሉ መዳያዊ ቃልሲ ከካይድን፣ ምስ ኩሉም ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝቃለሱ ሃገራውያን ሓይልታት ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ ህዝብናን ሃገርናን ካብ ኣርዑት ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንምልቓቕ ኩሉ ዓቕምታቱ ከዋፍር ቅሩብ ምዃኑ ዘረጋግጽ ኣብነታዊ ስራሕ ምዃኑ ብሰፊሑ ዝዝነየሉ ዘሎ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ።

       

          ስርዓት ህግደፍ ንብረት መጋብርይኡ ዝኾነ ባእታ መንዚዑ።

ገባቲ ስርዓት ህግደፍ፣ ንብረት ናይ ሓደ ካብ’ቶም እሙናት መጋብሪይኡ ዝነበሩ ባእታታት ከም ዝመንዘዐ ኣብ ምጽዋዕን ኣስመራን ዝርከቡ ምንጭታትና ኣረጋጊጾም። ሚስተር ፕሪሞ ዝተባህለ ሓንፈጽ ጣልያን፣ ምስ ህግደፍ ዓቢ ቅርበት ዝነበሮን ብምልዮናት ዝግመት ወፈያታት ነዚ ገባቲ ስርዓት ክግበር ዝጸንሐን ኣብ ሚላኖ ዝምቕማጡን ነጋዳይ፣ በቲ ስርዓት ኣብ ቀይሕ ባሕርን ኣብ ኣስመራን ተዓዲልዎ ዝነበረ መዓርፎ ኣጋይሽ (ሆተላት) ከም ዝተመንዘዐ ተፈሊጡ። ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ንሚስተር ፕሪሞ ሓደ ደሲት ካብ ደሴታት ቀይሕ ባሕሪ ምስ ዓደሎ፣ እዚ ነጋዳይ’ዚ ከኣ፣ ምዕቡል ናይ ትሩዚም ኣጋዱን መዓርፎ ኣጋይሽን ብምህናጻ ከዋፈር ጀሚሩ። ሕሉፍ ሓሊፍወን ገለ ካብ ጋዜጣታት ጣልያን ንሚስተር ፕሪሞ  “ንጉስ ደሴት ቀይሕ ባሕሪ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ገለ ዓንቀጻት ኣቃሊሐን ምንባረን ዝተፈልጠ ኢዩ። “ዳህላክ ሆተል” ዝተባህለ ኣብ ከተማ ምጽዋዕ ዝርከበ ዓቢ ሆተልን ከምኡ’ውን ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝርከብ “ከረን ሆተልን” (ናይ ቀደም ኣልበርጎ ኢታልያ) ካብ ኢድ ሚስተር ፕሪሞ ብምምንዛዕ ብስርዓት ህግደፍ ተሾጊሩ ምህላዉ፣ ምንጭታትና ሓቢሮም።

 

 

 

“ቡዳ ብፈታዊኡ ይጅምር” ከም ዝብልዎ ኣቦታትና፣ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ካብ ቀንዲ መጋበርያታቱ ዝቑጸሩ ሃብታማት፣ ከም’ዚ ናይ ሚስተር ፕሪሞ ስጉምቲ ንክወስድ መዲቡ ምህላዉ ካብ ውሽጢ ናይ’ቲ ስርዓት ብዝተረኽበ ሓበሬታ ክረጋገጽ ተኻኢሉ።

       

“ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ” !!

 

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

19/02/2016

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10154

Posted by on Feb 19 2016 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net