ጋዜጣዊ መግለጺ ምጅማር ስሚናር ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

ኣሰናዳኢት ሽማግለ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ንኩሉም ፖለቲካዊ ውድባት ኣባላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ በዝገብረቶ ጽውዒት መስረት፡ ሎሚ ዕለት 05 መጋቢት 2016 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንምዕዋት ካልአይ ሃገራዊ ጉባኤ ንረባረብ! ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ፡ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ብተገዳስነት ካብ ዝተፈላልዮ ኩርናዓት ዓለም ዝመጹ ኣቦ መንበራትን ኣባላት መረሕነታትን ፖለቲካዊ ውድባት ኤ.ሃ.ደ.ለ ዝተሳትፍዎ ሰሚናር ብወግዒ ስርሓቱ ጅሚሩ፡፡

 

ዕላማ’ዚ ስሚናር’ዚ ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ሰነዳት ንድፍታትን ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤን፡ ከመይነት ምክያድ ጉባኤን፡ ኣወዳድባኡን፡ ኣመዋውላኡን ብዝምልከት ኣብ ሓባራዊ ስምምዕ ንምብጻሕ ዝዓለመ እዩ። ዕዮታቱ ድማ ንዝመጹ ተኸታተልቲ ሰለሰተ መዓልታት ክቕጽል እዩ።

 

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ወድቀት ፍጹም ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ንምቅልጣፍን፡ ከም መተካእታኡ ድማ ኣብ ብዙሕነት ዘትከለ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካልን ዝብህጉ ኩሎም ክፍልታት ሕብረተ-ስብ ኤርትራን ሓይልታት ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጥን ብዝከየድዎ ድርብ ቃልስታትን ከቢድ መስዋእትን ዝተመስረተ ሰፊሕ ሃገራዊ ስሙር ግንባር ከም ምዃኑ መጠን፡ ኣብ ህልዊ ገድላዊ መድረኽ ዝሓሸ ናይ ቃልሲ መሳርሕን ዛጊት ካብኡ ዝሓሸ ዘይተረኸበሉን ብምዃኑ ክዕቀብ ይግባእ።

 

በዚ ኣጋጣሚዚ፡ ኢሰናዳኢት ሽማግለ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ተቓውምቲ ፖለቲካዊ ሓይልታቱን ድማ ብፍላይ፡ ኣብ መስርሕ ህልዊ  ተጋድሎና እናሻዕ ኣብ ህላወን ቀጻልነትን ሓድነትን ሃገራዊ ባይቶ ንዝጋጥምዎ ዝጸንሑን ዘሎዉን ዕንቅፋታት ብምስጋር፡ ንምዕዋት ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ገድላዊ መሳርዓቶም ከጽምዱን፡ ገድላዊ ግደኦም ከዕዝዙን ትጽውዕ።

 

ዓወት ንፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!!

ውድቀትን ስዕረትን ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ!!

 

ኣሰናዳኢት ሽማግለ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

05 መጋቢት 2016

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10192

Posted by on Mar 6 2016 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net