ወርሓዊ ስሩዕ ኣኼባ ኣባላት ጨንፈር ኣዲስ ኣበባ፡

ensf - hidri

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኣባላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ (ግሃድኤ-ሕድሪ)፡ 6 መጋቢት 2016 ናይ ጨንፈር ስሩዕ ኣኼባ ከምዘካየዱን እቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ከኣ ብብጾት ተስፋሚካኤል ኣርኣያን ፍስሃየ ሃይሉን ከምዝተመርሐን ካብቲ ውዕሎ ዝበጽሓና ጸብጻብ ሓቢሩ፡፡

ኣብቲ ኣኼባ ብኣባላት ጠርነፍቲ (መራሕቲ) ጨንፈር፡ በዛዕባ ህልዊ ኩነታት ሃገርና ብዝምልከት ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ዝፍጸም ዘሎ ዕንወትን ብርሰትን፡ ሰፊሕ መብርህን መግለጽን ከምዝተዋህበ፡ ዲክታቶርያውን ገባትን ስርዓት ህግደፍ ካብቲ ዓማጺ ባህሪዩ ተበግሹ ዓመት መጽአ ዝገብሮ ዘይጭበጥ መብጽዓን ሓሶትን እንዳኣደናገረ ዕድመ ስልጣኑ የናውሕ ከምዘሎን፡ ብመርትዖታት ዝተደገፈ ዝርዝር መብርሂ ከምዝተዋህበ፡ ኮምኡውን ስርዓት ህግደፍ ከምነፋሒቶ ሕብሩ እንዳቐያየረ ምስ ግበረ-ሽበራውያን ሕቡእ ውዲት ይፍጽም ከምዘሎን  ኣብቲ ኣኼባ ከምዝበርሀ እቲ ዝበጽሓና ዜና ሓቢሩ፡፡

ነዚ ገባቲ ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ኣሊኻ ኣብ ልዕልና ሕግን መሰልን ህዝቢ ዝኣምን ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምምስራት ኩሉ ደላይ ፍትሕን ለውጥን ዝኾነ ኤርትራዊ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ናይ ሓባር ድምጹ ከስምዕ ውዓል-ሕደር ዘይባሃሎ እዋናዊ ጠለብ ከምዝኾነ፡ ብፍላይ ከኣ ፖለቲካዊ ውድባት ዝፈላልዮም ጉዳይ ኣወንዚፎም ህዝብን ሃገርን ካብ ሓደጋ ጥፍኣትን ብርሰትን ንምድሓን ቀዳምነት ክሰርዑ ከምዝግባእ ጠርነፍቲ ኣባላት ጨንፈር ዝኾኑ ብጾት ተስፋሚካኤልን ፍስሃየን ብኣጽንዖት ከምዝገለጹ ተሓቢሩ፡፡ ኮምኡውን ብዛዕባ እቲ ብ6 ፖለቲካዊ ውድባትና ተጀሚሩ ዘሎ ልፍንታዊ መስርሕ በጺሕዎ ዘሎ ስዳሮ ኣመልኪቶም መብርሂ ከምዝሃቡ ተገሊጹ፡፡

ቀጺሉ መድረኽ ንሕቶን ርእይቶን ክፉት ብምግባር፡ ብኣባላት ጨንፈር ንዝቐረቡ ሕቶታት ብግሉጽ መንፈስ ዘዕግብ መልሲ ከምዝተዋህበን ኣብ መደምደምታ ከኣ ለበዋታት ከምዝቐረቡን ተሓቢሩ፡፡ ካብቶም ዝቐረቡ ለበዋታት ንኣብነት ኩሉ ኣባል ውድብ ግሃድኤ-ሕድሪ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዝርከብ ግቡኡ ከማልእ፡ ኣብ ቅድመ ግንባር ተሰሊፎም ህዝቦምን ሃገሮምን ንምድሓን ተቐሪቦም ንዘለዉ ኣባላት ሰራዊት ሕድሪ ዘይተቖጠበ ድጋፍን ሞራልን ብተግባር ምብርካት፡ መንእሰያት ኣብ ጎኒ ኣሕዋቶም ሰራዊት ሕድሪ ንክስለፉ ምጽዓር፡ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ግሃድኤ-ሕድሪ ኣብ ህዝቢ ክዝርጋሕን ክንበብን ምግባር፡ … ወዘተ ዝብሉ ከምዝነበሩን ነዞም ዝተጠቐሱ ኣብነታት ተግባራዊ ንምግባር ኣባላት ጨንፈር ኣዲስ ኣበባ ብንጥፈት ክዋስኡን ከሰርሑን ድሉዋት ከምዝኾኑን ቃል ከምዝኣተዉን እቲ ዝበጽሓና ጨንፈራዊ ጸብጻብ ኣረጋጊጹ፡፡

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!

ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ግሃድኤ-ሕድሪ

7 መጋቢት 2016

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10200

Posted by on Mar 9 2016 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net