ጋዜጣዊ መግለጺ ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ኤስደለ

eudc

ፈጻሚ ሽማግለ ኤርትራዊ  ስምረት ንደሞክርስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ካብ ዕለት 06-11መጋቢት 2016 ፡3ይ ስሩዕ ኣኼብኡ ብዓወት ኣሰላሲሉ።

ፈጻሚት ሽማግለ ኤስደለ ኣብ’ዚ ኣኼብኡ ኣብ’ዞም ዝስዕቡ ኣጀንዳታት፥

1) ኣብ ዓለማውን ከበብያዉን ኩነታትን ንህዝባዊ ቃልስና ዘለዎ ትርጉምን

2). ኣብ ሃገራዊ ኩነታት ብሓፈሻ ኣብ

ሀ/ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ

ለ/ ኩነታት ገባቲ ስርዓት ህግደፍ

3). ኣብ ህሉው ኩነታት ደምበ ተቓዉሞና ብሓፈሻ፡

    ሀ] ኣብ ኩነታት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ)ን ኣጋጢምውዎ ዘሎ ቅልውላውን መፍቲሒታቱን።

    ለ] ኣብ ኩነታት ዝምድና 6 መሓዙት ውድባትን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ምዕባለን ከኣ ብፍላይ

4) ኣብ ህልዉ ኩሉ መደያዊ ኩነታት ውድብና ኤስደለን ኣመልኪቱ ዓሚቑ ገምጋም ብምክያድን ብሱላት መድረኻዊ ዉሳኔታት ብምምሕልላፍን ብዓወት ዛዚሙ  ኣሎ። ፈ/ ሽማግለ ኤስደለ፡ ድሕሪ’ዚ ዕዉት 3ይ ሰ/ኣኼብኡ ብቐጠታ ን2ይ ስ/ኣኼባ ማ/ሽማግለ  ዝኸውን ጸብጻብ  ብምድላዉ፡ ሎሚ ዕለት 15 መጋቢት 2016 2ይ ስሩዕ ኣኼባ ማ/ሽማግለኡ ጀሚሩ ኣሎ።

ዉድብና ኤስደለ ኣብ’ዞም ኣትይዎም ዘሎ ናይ ፈጻሚ ሽማግለን ማእከላይን ሽማግለን  ወሰንቲ ኣኼባታት፡ ህልው መድረኽ ንዝጠልቦ ዉራይ ዝበቅዕ ቅኑዕ ፖለቲካዊ ዉሳኔታት ብምምሕልላፍ፡ ዱልዱል  ዉድባዊ ሓድነቱን መስመራዊ ጽርየቱን ሓልዩ፡ ህዝብታት ኤርትራ ይጠልብዎ ንዘለዉ ሃገር ናይ ምድሓን ውራይ ዝበቅዕ ዘተኣማምን ሓይሊ ኮይኑ ዘውጽኦ ምድላው ገይሩ ኣሎ። ዝርዝር መድረኻዊ ዕማማትን ፖለቲካዊ ዉሳኔታትን ታሪኻዊ ኣኼባታት ማእከላይ ሽማግለን ፈጻሚ ሽማግለን ዉድብና፡ ኣብ ዝቕጽል ሓጺር መዓልትታት ክወጽእ’ዩ። ተኻታተሉ።

ቤ/ጽ ዜናን ባህልን ኤስደለ

ዕለት 15 መጋቢት 2016

ኣዲስ ኣበባ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10207

Posted by on Mar 17 2016 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net