ሰፊሕ ሓበሬታ ኣብ ሃገራውን ውድባውን ኩነታት፡

ensf - hidri

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ (ግሃድኤ-ሕድሪ) ብ18 መጋቢት 2016 ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኣባላት ባይቶን ካድራትን ኣብ ዝተረኽብሉ ሰፊሕ ናይ ሓበሬታ ኣኼባ ክካየድ ከምዝወዓለ፡ ቀንዲ መዘራረቢ ዛዕባታት ከኣ ህልዊ ኩነታት ሃገርና፡ ውድብናን መስርሕ ልፍንታዊ ሽዱሽተ ፖለቲካዊ ውድባትናን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን  ኮምኡውን  ደምበ-ተቓውሞን ብዝምልከት ዝርዝር መግለጽን ሓበሬታን ብዝምልከቶም ኣካላት ምስ ተዋህበ ድሙቕ ክትዕን መራጎዲ ዘተ ከምዝተካየደን ካብቲ ውዕሎ ዝበጽሓና ዜና ሓቢሩ፡፡

እቲ ክካየድ ዝወዓለ ናይ ሓበሬታ ምልውዋጥ ኣኼባ ብብጾት ዕቑባዝጊ ድቡስ ኣቦ-መንበር ፈጻሚ ኣካልን ጥዑምዝጊ ጠዓመ ም/ክትል ኣቦ-መንበርን ሰክረተር ፈጻሚ ኣካልን ዝተመርሐ ከምዝነበረ፡ ብ/ዕቑባዝጊ ድቡስ ህልዊ ኩነታት ሃገርና በሰንኪ ገባትን ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍን ካብ እዋን ናብ እዋን ናብ ዝኸፍአን ኣሰካፍን ኩነታት የንቆልቁል ከምዘሎ፡ እቲ ስርዓት ኣብ ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማስያዊ፡ ቁጠባዊ፡ … ኣብ ዓቕሊ ጽበት ወዲቑ፡ ኮታስ ኣብ ኩሉ መዳያት ካብ ማሕበረ-ሰብ ዓለምውን ከይተረፈ እንዳተነጸለ ከምዝኾነ ብዝርዝር ከምዝሓበረ፡ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ፡፡

ውድባዊ ኩነታት ብዝምልከት፡ ብ/ዕቑባዝጊ ኣብ ኣውሮጳ ብኣካል ተረኺቡ ኣብ ዝተሳተፈሎም ኣኼባታትን፡ ካብ ኩለን ጨናፍር ግሃድኤ-ሕድሪ ዝረኸቦ ጸብጻብን ሓበሬታን፡ ዝዕመሙ ዘለዉ ንጥፈታትን ኣጠቓሊሉ ዝርዝር ሓበሬታ ከምዘቕረበ፡ ብተወሳኺ ብዛዕባ ሽዱሽተ ማሓዙት ፖለቲካዊ ውድባትና መስርሕ ልፍንቲ፡ ኮምኡውን ኩነታት ደምበ-ተቓውሞን ካልኦት ጉዳያትን ኣመልኪቱ ሰፊሕ ሓበሬታ ከምዝሃ ተሓቢሩ፡፡

ብ/ጥዑምዝጊ ጠዓመ ም/ኣቦ-መንበርን ሰክረተር ፈጻሚ ኣካልን ብመደብ ናብ ቦታ ዕጡቕ ኣሃዱታት ግሃድኤ-ሕድሪ (ሰራዊት ሕድሪ) ብምብጻሕ ከምዘተባብዓን ፖለቲካዊ ትምህርቲ ከምዝሃበን ከምኡውን ካብ ማዓስከር ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣባላት ግሃድኤ-ሕድሪ ንዝኾኑ ብፕሮግራም ስሩዕ ሰሚናር ከምዘካየደሎምን እቲ ዝበጽሓና ጸብጻብ ወሲኹ ሓቢሩ፡፡

ድሕሪ ዝርዝር ሓበሬታ፡ ካብ ኣባላት ንዝቐረቡ ሕቶታት ብኣለይቲ መድረኽ መልስን መግለጽን ከምዝተዋህበን፡ ኣብ መደምደምታ ካብ ተሳተፍቲ ኣብ ኩሉ ሸነኽ ተወሳኺ ርእይቶን ለበዋን ብምቕራብ እቲ ኣኼባ ከም ዝተዛዘመ ካብቲ ውዕሎ ኣኼባ ዝበጽሓና ጸብጻብ ገሊጹ፡፡

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!

ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ግሃድኤ-ሕድሪ

18 መጋቢት 2016

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10215

Posted by on Mar 21 2016 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net