News

ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ-ሕድሪ 7ይ ስሩዕ ኣኼብኡ ጀሚሩ

ensf - hidri
ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ ሻውዓይ (7ይ) ስሩዕ ኣኼብኡ ብ26 መጋቢት 2016 ብዘመዊ መራኸቢ ብዙሓን ተጠቒሙ (ተሓጊዙ) ምክያድ ከምዝጀመረ፡ ፈጻሚ ኣካል ኣብ ዝጀመሮ ኣኼባ ብቐዳምነት ኣጀንዳታቱ ሰሪዑ ብዝርዝር ክግምግም ምኳኑ ዝበጽሓና ዜናዊ ጸብጻብ ሓቢሩ፡፡
ፈጻሚ ኣካል፡ ኣብ ኣኼባኡ ብዕምቆት ዝርእዮም ቀንዲ ዛዕባታት እዞም ዝስዕቡ ከምዝኾኑ፡-
– ዓለማዊ ኩነታት፡
– ከባብያዊ ኩነታት፡
– ሃገራዊ ኩነታት፡
– ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ብሓፈሻ፡
– ልፍነታዊ መስርሕ 6ተ ፖለቲካዊ ውድባትና በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ፡
– ውድባዊ ኩነታት፡ (ጸብጻብ ሕድሕድ ቤት ጽሕፈታቱ ብዝርዝር) ክምዝግምግም ዝበጽሓና ጸብጻብ ሓቢሩ፡፡ ዝርዝር ውዕሎታቱ ከም ኣድላይነቱ ምስ በጽሓና ክንሕብር ኢና፡፡
ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!
ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን
ግሃድኤ-ሕድሪ
27 መጋቢት 2016

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top