ኣኼባ ጉጅለ ሙንሽን ጀርመን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

ኣኼባ ጉጅለ ሙንሽን ጀርመን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣኼባ ጉጅለ ሙንሽን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኣብ ከተማ ሙንሽን ዕለት 02/04/ 2016 ተሰላሲሉ።
ቀዳማይ ኣጀንዳ እቲ ኣኼባ ሰዓት 11 ቅድሚ ቀትሪ ካብ ጉጅለታት ጀርመን ዝመጹኡ ኣባላት ግንባር ሃገራዊ ተረኪብም ናይ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ዝተሰረሔ ስራሓት ገምጊሞም ከምኡውን ንዝስዕብ ሰለሰተ ኣዋርሕ ክዕመሙ ዘለዎም ስራሓት ሓንጺጹ ንዝምልከቶም ኣካላት መምርሒታት ዘርግሑ።
ካላኣይ ብቀደም ተከተል ዝሰርዕም ኣጀንዳታት ሒዙ ኣብቲ ዝተዳለወሉ ኣዳራሽ ካብ ሳዓት ክልተ ጀሚሩ ዝተቀረበ ሕብስትን በብዓይነቱ መግብታትን ድሕሪ ምቁዳስ ኣኼባ ቀጺሉ

1ይ ኣኼባ ብወይዘሮ ጀውሃራ ማሓመድ ተከፊቱ ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝመጻእኩም /ዝመጻእክን ኣጋይሽን /ኣባላትን ወከልቲ ማሕበራት ከተማ ሙንሽን ብሃገርኩም ተገዲስኩም ትቃለሱ ዘለኩም ፡ መንእሰያት ከኣ ብፍላይ ዝጽበየኩም ዘሎ ተሪር ሓርነታዊ ቃልሲ ብትብዓትን ተወፋይነትን ክትቃለሱ እናጸዋዕኩ እንቛዕ ብዳሓን መጻእኩም ብምባል ሰላምታ ብወ/ሮ ጀውሃራ ማሓመድ ድሕሪ ምቅራብ ቦታ ንመራሕቲ መድረክ ተገዲፉ።

ቀጺሉ በቲ ተታሒዙ ዝነብረ 4 ነትብታት ዝሓዘለ ኣጀንዳ ኣኼባ ጀሚሩ
1.መዓልቲ ደቂኣንስትዮ ዓለም 8 ምጋቢት ብሓፈሻ ብፍሉይ ድማ ታራን ግደን ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሰመስከረቶ ዘይካሓድ ሓቂ ምዃኑ ተገሊጹ።

2ይ ቶጎርባ መዓልቲ ሰራዊት ሓርነት መጋቢት 15 /1964 ሰራዊት ሓርነት ኣብ ልዕሊ ጎባጢ ወራሪ ስርዓት ሃይለስላሴ ንመጀመርያ ጊዜ ንግዙፍ ወራሪ ዕሱብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ስዒሩ ተዓወተላ ብውሑድ ሓይልን ዓቅምን ዓቢ ዓወትን ተስፋን ዘበሰረት ቶግርባ ብኩሉ ደላይ ለውጥን ተቃላሳይን ህዝብና ተዚኪራ ክትነብር ምዃና ተጠቕሰ ።
3ይ ህልዊ ኩነታት ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዘካይዶ ዘሎ ንካላኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ንምግባእ ዝሕተት ዘበለ ዝካኣሎ ዓቅሚ ሞራላውን ንዋታውን ደገፋት ብምብርካት ኣብ ምዕዋት ሃግራዊ ባይቶ ከረባረብ ምዃኑ ብመርገጽ ክንቃለሰሉን ከነዕውቶን ሓላፍነት ከም ዘለና ተነጸረ ።
4ይ ኩነታት ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ከካይድዎ ዝጸንሑን ዘካይድዎ ዘለውን መኣዲ ዘተን ልዝብን፡ ኣብ ምእላይ ዲክታተርያዊ ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ንዝካየድ ቃልሲ ኣብ ልዕሊ መቃብሩ ዲሞክራስን ሕግን ፍትሕን ዝሰፈና ሃገር ክዉን ንምግባር ልዕሊ ኩሉ ህዝብን ሃገርን ከተድሕን ቀዳምነት ሂብካ ምቅላስ እዋናዊ ምዃኑ ኣሚንካ ግደካ ምብርካት እዋኑ እዩ ብምባል ኣብቲ ዝቀረበ ኣርእስታት ኣተኲሩ በዳህቲ ዝኾኑ ሕቶታትን ሃንጽቲ እዮም ዝተባህሉ ርእቶን ሓሳባትን ኣብ ገዛ ክፈሱ ውዒሎም።
ተሳተፍቲ ኣኼባውን ብወገኖም ሓቢርካ ምቅላስ ወሳኒ ታራን ግደን ከምዘለዎ ብምርዳእ ብዘይ ናሓፍነት ርእይቶን ሓሳባትን ተግሳጽን ምክርን ሓዘል ግሉጽነት ዝመሎኦ ህዱእ መንፈስ ዝዓሰሎ ናይ 4 ሰዓት ኣኼባ ተካይዱ ።
5ይ ኣብ መዛዘሚ ኣኼባ እንተኰነውን ኣብቲ ቅድሚ ቀትሪ ተዳልዩ ዝነበረ ቦታ ተመሊስና ሓደ ስዓትን ፈርቃን ዝወሰደ ኣኼባ ብምቅጻል ተመሳሳሊ ኣኼባን ሰሚናራትን ከም ዘድልን ሓቢርካ ምስራህ ከምዝካልን ርእዩን መዚኑን።
ዘላለማዊ ክብርን ዝክርን ንሰማታት
ውድቀትን ስዕረትን ን ህግደፍን ኣዳከርቱን
ክንዕወት ኢና
ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ
ክፍሊ ዕዮ ዜናን ባህልን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ዞባ ኣውሮፓ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10250

Posted by on Apr 5 2016 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net