ግሃድኤ–ሕድሪ ጨንፈር እስራኤል

ኣባላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ ወርሓዊ ኣኼባ ይካየድ፣ ሓዳስ መሪሕነት ዓመታዊ ኣጀንዳኣ ኣጻፊፋ ናብ ኣባላት ትቐርብ። ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ–ሕድሪ ዞባ እስራኤል ወርሓዊ ኣኼባ ኣካይዱ፣ እቲ ድሕሪ ዞባዊ ጉባኤ ንፈለማ እዋን ዝካይድ ዘሎ ርክብ ብኣላይነት እታ ኣብ ጉባኤ ዝተመርጸት ሓዳስ መሪሕነት እዩ ተኻይዱ፣ ኣቦ–ወንበር ግሃድኤ–ሕድሪ ዞባ እስራኤል መንእሰይ ፍሻለ ገብረእግዝኣብሄር ኣብ መኽፈቲ እቲ ብዕለት 01/04/2016 ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ዝተኻየደ ርክብ ኣብ ዘስመዖ ቃል ብሩኽ ናይ ኣገልግሎት ወቕቲ ክኾነሎም ብስም ኣመራርሓ ድሕሪ ምምናይ ንእተሰከምዎ ህዝባዊ ሓላፍነት ብዓወትን ጽፈትን ንኽዋጽኡ ንቕሓትን ተወፋይነትን ከቢድ ጻዕርን ከምዝጽበዮም ብምእማን ብቐንዱ ግን ድፍኢትን ምትብባዕን መሰረታት እቲ ቀንዲ ደራኺ ባእታ ምዃኑ ብምግላጽ፣ ሓያል መሪሕነትን ኣምር ግሉጽነትን ንምኹስካስ ኣብ ሓዲድ ዴሞክራሲ ብሓባር ምጓዓዝ ከምዘድሊ ኣስሚሩሉ።
ቀጺሉ መንእሰይ ፍሻለ፣ ንኣጀንዳታቱ ዞባውን ውድባውን ኣብ ትሕቲ ዝብል ክልተ ዓበይቲ ክፋላት ብምስራዕ ኣብ ክልቲኡ ንዝተሰርዐ ንኡስ ኣጀንዳ ብሰፊሕን ዝርዝራውን መብርሂ ሂቡ። ገለ ካብ‘ቲ ዝቐረበ ዛዕባታት ንዞባ እስራኤል ብዝምልከት ውደባን ንቕሓት ዜጋታት ኣብ ምሕያልን ካልእ ኣብ ጸጥታዊ መዳይ ብክፍሊ ጸጥታ ንኽስራሕ ዝተወጠነ መደባትን ብሰፊሕን ብዕምቆትን ክስራሓሎም ምዃኑን ንኣባላት መባእታዊ ዝኾነ ዝተፈላለየ ስልጠና ንምሃብ ተወጢኑ ምህላዉ ብምገላጽ፣ ምስ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ተቓለስቲ ውድባት ምንቅስቓሳትን ውልቀ–ሰባትን ዝካይድ ናይ ሓባር ስራሕ ብዝላዓለ ክድፍኣሉ ምዃኑ ሓቢሩ፡፡
ንውድባዊ ጉዳያት ኣብ ዝምልከት መግለጺኡ፣ ኣብ ግንባር ንዘሎ ምዕባለታት፣ ባይቶ ግሃድኤ–ሕድሪ ኣብ ዝሓለፈ ርክቡ ንዘሕለፎ ውሳነታትን ምዕባለታት ኣብ ጉዕዞ ሽድሽተ ውድባትን መብርሂ ሂቡ። ድሕሪ ብጻይ ፍሻለ መብሪሂ ዝሃቡ ምክትል ኣቦ-ወንበር ግሃድኤ-ሕድሪ ዞባ እስራኤል ብጻይ ገብርሂወት መለስን ሓላፊ ክፍሊ ውደባ ብጻይ ኤፍሬም ተገኘን፣ ኣብ እነካይዶ ቃልሲ ኩለ-መዳያዊ ቅሩብነት ንቕሓትን ተጻዋርነትን ክንዓጥቕን ኣብነት ናይ ጽቡቕ ስነ-ምግባር ብምዃን ንሕብረተ-ሰብና መርኣያ ክንከውንን ከምዝግባእ ብሰፊሕ ብምብራህ፣ ንውደባን ካልኦት ክፍልታትን ብዝምልከት፣ በብወገኖም ሓበሬታታትን ብምቕራብ፣ ቀጺሉ እቲ ዝዓበየን ዝሰፈሐን መድረኽ ንሕቶን ርእይቶን ነቐፌታን ተኸፊቱ፣ ብኡ መሰረት ድማ ካብ ኣባላት ዝቐረበ ሓሳባት ተሰሚዑ ንሕቶታት ብኣባላት መሪሕነት ግቡእ መልሲ ተዋሂቡ።
ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!!
ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!!
ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግሃድኤ-ሕድሪ ዞና እስራኤል።
ምያዝያ 04 / 2016

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10244

Posted by on Apr 4 2016 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net