News

ዶር. ሃብተ ተስፋማርያም፣ ኣቦ መንበር ግ.ሃ.ድ.ኤ ካብ’ዛ ዓለም ብመስዋእቲ ተፈሊዩና

ኣባላት ሰክረታርያ ባይቶ

ዝኸበርኩም ኤርትራውያንን ፈተውቲ ህዝብናን !!

ሎሚ ዕለት 13/01/2017 ልክዕ ሰዓት 07.00 ናይ ኣጋ ምሸት፡ ሓርበኛ ሃገራዊ መራሒ ዶር. ሃብተ ተስፋማርያም፣ ኣቦ መንበር ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፣ ድሕሪ ነዊሕ ሕማም፡ ካብ’ዛ ዓለም ብመስዋእቲ ተፈሊዩና ምህላዉ መሪር ሓዘን እናተሰማዓና ንሕብረኩም ። ንብጻይናን መራሒናን ዶር. ሃብተ ተስፋማርያም፣ መንግስተ ሰማያት የዋርሶ፣ ንክብርቲ በዓልቲ ቤቱ ብጸይቲ ኣድያም ተኽሊት ምስ ክቡራትን ደቁን ብምሉኦም ስድራ ቤቱን ብጾትን ከምኡ’ውን ንህዝቢ ኤርትራ ተቓልስቲ ሓይልታቱን ከኣ ጽንዓትን ኣኻእሉን ይሃበና።

 

ብዛዕባ ሰነ ስርዓት ቀብርን ካልእ ሓበሬታ ከንስዕብ ኢና።

 

ፈጻሚ ኣካል

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

13/01/2017

 

 

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top