መግለጺ መሪር ሓዘን

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ – ሕድሪ መሪሕነቱን መላእ ኣባላቱን ብመስዋእቲ ክቡር ሓርበኛ ተቃላሳይ ብጻይና ዶክተር ሃብተ ተስፋማርያም ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን ይገልጽ።

ሓርበኛ ብጻይና ክቡር ዶክተር ሃብተ ተስፋማርያም ብንእስነቱ ጀሚሩ ንክብርን ናጽነትን ህዝቢ ኤርትራ፡ ሰዒቡ ከኣ ነቲ ብምልካዊ ህግደፍ ሓርነቱ ዝተነፍገ ክቡር ህዝቢ ኤርትራ ፍትሕን ሓርነትን ንኸንግስ ሓንቲ መዓልቲ ውን እንተኾነ ነብሰይ ይጥዓመኒ ከይበለ አብ ጎድኒ ህዝቡ ደው ብምባል መሪሕ ግደ ዝተጻወተ ሓርበኛ እዩ ኔሩ።

ሎሚ ሓደ ሓርበኛ መሪሕ ብጻይና ዶክተር ሃብተ ተስፋማሪያም ብመስዋእቲ ክፍለየና እንከሎ፡ ዝስመዓና መሪር ሓዘን እንዳገለጽና ንኹልና ተቃለስቲ ብጾቱን ስድራቤቱን ንመላእ ተቃላሳይ ህዝብና ጽነዓት ይሃበና እንዳበልና፡ ንሕና መሪሕነትን መሰረታትን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ – ሕድሪ ነቲ ክቡር ብጻይና ስዉእ ዶክተር ሃብተ ተስፋማርያም ዝተቃለሰሉ መስመር ሓድነትን ፍትሕን ምስ ፍትሓውያን ተቃለስቲ ብጾትና ኳይና አብ ግብሪ ንምውዓሉ ኣበርቲዕና ክንቃለስ ምኳና ደጊምና ቃልና ነሔድስ።

ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና፡

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኹሉ!!

ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!

መሰጋገሪ ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ – ሕድሪ

14. 01. 2017

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10570

Posted by on Jan 15 2017 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net