መግለጺ ሓዘን

ብፈጻሚ ቤ/ጽ/ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ዝተዋህበ
መግለጺ ሓዘን
ብምኽንያት ትማሊ ዕለት 13 ጥሪ 2017 ብመስዋእቲ ዝተፈለየና ገዲም
ሓርበኛ ተቓላሳይ ዶ/ር ሃብተ ተስፋማርያም ኣብዚ እዚ እዋንዚ ኣቦ መንበር
ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ነበር ፡ ንሃገሩ ዘገልገለ ጅግና ሃገራዊ
ብመስዋእቱ ዝተሰማዓና ከቢድ ሓዘን ክንገልጾ እንኮለና እቲ ካብ እዋን
ንእስነቱ ኣብ ልቡ ዝፈኸመን ዝጎሃረን ሃገራዊ ፍቅሪ ደሪኽዎ ንልዕሊ ፍርቂ
መዋእል ኣብ ባይታ ቃልሲ ንምድላይ ናጽነት ሃገር ክንኡ እውን ኣብ
ምድላይ ፍትሕን ዲሞክራስን ምስ ኩሎም ሃገራውያን ብጾቱ ብስኒትን
ተሞክሮ ቃልሱ እንዳሕለፈ መዋእል ዕድሚኡ ወላ ንኻሊኢት እዋን ኣብ
ቃልሲ ከይተፈለየ ንሃገሩ ብጅግንነት ቅንዕና ብተዋፋይነት ንጹር መርገጽ
ሃገራውነትን ተሰኪሙ ክሳብ ዕለት መስዋእቱ ዝመጠዎ ወርቃዊ ሓርበኛዊ
ታሪኹ እንዳዘከርና ብስም ኩሎም ብጾትና ንፋነዎ ኣለና። በዚ መሪር ናይ
ሓዘን ኣጋጣሚ ድማ ንኹሎም ስድራቤቱ ንመሳርሕቱ መሪሕነትን ኣባላትን
ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ንኩልና ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሕን
ዲሞክራስን ጽንዓት ይሃበና እንዳበልና ንስዉእ ዶ/ር ሃብተ ተስፋማርያም
ድማ መንግስተ ሰማይ የዋርሶ ንብል።
ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ስልፊ ናህዳ ኤርትራ
14 ጥሪ 2017

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10573

Posted by on Jan 15 2017 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net