Articles

ናይ ሓዘን መግለጺ

ሓርበኛ  ተጋዳላይ ዶክተር ሃብተ ተስፋማርያም፤ ኣቦ-ወንበር ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

ብዝሓደሮ ነዊሕ ሕማም  ትማሊ  ዕለት 13 ጥሪ 2017  ብመስዋእቲ     ካብዛ ዓለም ብሞት ምፍላዩ  ምስ ሰማዕና ኣዚዩ ሓዘን ተሰሚዕና።  ስውእ  ዶክተር ሃብተ፤ ወላኳ ካብዛ ዓለም ብሞት እንተተፈለየና፡ በቲ ምእንቲ ናጽነትን፡ ፍትሕን  ዘካየዶ ነዊሕን መሪር ቃልሲ ንዘልኣለም ክዝከር ክነብር እዩ።  ሽሕ እኳ  ሓርበኛ  ተጋዳላይ ዶክተር ሃብተ ብምኽንያት ዕረፍቱ በአካል ካባና እንተ ተፈልየ ብመንፈስን ብሐሳብ ግን ክሉ ግዜ አብ ጎንና አሎ። ንዕላማኡ ኣብ መፍጸምታኡ ንምብጻሕ ሓደራኡ ንቀበል፡፡

በዚ ኣጋጣሚ፡ ንስድራ ቤቱን፡ ናይ ቃልሲ ብጾቱን፡ ንኣባላትን  ግንባር ሃገራዊ ድሕነት  ኤርትራ፡ ንኩልና ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሕን  ዲሞክራስን  ጽንዓት ይሃብኩም ይሃበና። ንስዉእ  ዶ/ር ሃብተ ተስፋማርያም  ድማ መንግስተ ሰማይ የዋርሶ ።

 

ደሞክራስያዊ  ግንባር ሓርነት  ኤርትራ  (ደግሓኤ) ዞባ ኤውሮጳ

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top