ናይ ሓዘን መግለጺ

ሎሚ ዓርቢ 13 ጥሪ 2017 ሞት ሓርበኛ ሃገራዊ መራሒ ተጋዳላይ ዶር. ሃብተ ተስፋማርያም ኣቦ መንበር ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን ኣባል ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጥን ከም ዘጋጠመ ምስ ሰማዕና መሪር ሓዘን ተሰሚዑና።

 

ተጋዳላይ ዶር. ሃብተ ተስፋማርያም ምሉእ ዕድሚኡ ንቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተበጀወን ብጽንዓቱን ተዋፋይነቱን ዝትፍልጠን ኣብ ታሪኽን ጉዕዞን ስውራ ኤርትራ ዓቢይን ሎልይን ተራ ዘንበሩን ተቓላሳይ’ዩ ነይሩ።

 

ተጋዳላይ ዶር. ሃብተ ተስፋማርያም ኣብ ምምስራት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ክሳብ ዕለተ ሞቱ ዓቢይን ኣገዳስን ተራን ኣስተዋጽኦን ዝጽንሖ ተባዕ ተቓላሳይ ብምንባሩ ሎሚ ብመስዋእቲ ካባና ብምፍላዩ ዓቢ ክሳራ ናዓናን ንኩሎም ተቃልስቲ ድሌት ደሞክራስያዊ ለውጢ እዩ።

 

 

በዚ ዘሕዝን ኣጋጣሚዚ ንመላእ ኣባላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን መላእ ስድራቤቱን ኣዕርኽቱን ጽንዓት ይሃብኩምን ይሃበናን እናበልና ንዝወደቐሉ ናይ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዕላማታት ኣብ ፍጻመ ከም እነብጸሖም ቃል እንኣትወሉ ህሞት’ዩ።

 

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስዋኣትና!!

ውድቅትን ስዕረትን ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ!!

ዓወት ንመስርሕ ደሞክራስያዊ ለውጢ!!

 

ሓጅ   ዓብዱኑር ሓጅ

 

ኣቦ መንበር ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

13 ጥሪ 2017

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10577

Posted by on Jan 15 2017 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net