መግለጺ ሓዘን

ሕጂ ውን ዓቢ ዓንዲ ካብ ዓንድታት ሃገርና ኤርትራ እነሆ ተፋንዩና። ዋላ’ኳ ፍቓድ ኣምላኽ ኮይኑ ክንቀበሎን ክንምእዘዞን ግድን እንተኾነ፣ መስዋእቲ ብጻይናን ኣቦ መንበር ውድብናን ሓርበኛ ዶክቶር ሃብተ ተስፋማሪያም ኣብ ኣዚዩ ዘድለይና መዋእል ብሃንደበት ስለ ዝተፈለየና ዓሚቚ ሓዘን ከስዕበልና ናይ ግድን ኢዩ።  

ብርግጸ፣ ሓርበኛ ኣይነበርን ኢዩ ታሪኹ ግን ነባሪ ኢዩ

ስዉእ ሓርበኛ ዶክቶር ሃብተ ተስፋማሪያም ክግለጽ ኮሎ፣ ከምትሓውን ንጹህን ተጋዳላይ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ዓበይቲ ሃገራዊ ጉዳያትን ምስ ሓድነት ህዝብና ምትእስሳር ኣብ ዘለዎም ኣምራትን፣ ከም ጉዳይ ሃይማኖታውን ቋንቋውን ማሕበራውን ኣካውና ሕብረተሰብና ዝኣመሰሉ፣ ግሉጽነትን ካብ ንሓፍነት ዝረሓቐን መርገጽ ዝነበሮ ዓቢ ሃገራዊ መራሒ ምንባርይ ብዙሓት ሃገራውያን ዝምስክርዎ ሓቂ ኢዩ። ኣብ ክሊ መሪሕ ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተቓለሰን ዘቃለስን ብምንባሩ፣ ከምዚ ዓይነት ሃገራዊ ዘዂርዕ መርገጽ ክሕዝ ናይ ግድን ይኸውን።

ክቡር ሓርበኛ ዶር. ሃብተ ከም’ቶም ኣብ’ዚ ቀረባ ዓመታት ዝሓለፉ ሱዉኣት ጅጋኑ ብጾትና፣ ከም ሓርበኛ ኣሕመድ መሓመድ ናስርን ሓርበኛ ዶር. በየነ ኪዳነን ካልኦትን ብጾትናን፣ ንሱ’ውን መዓልቲ ኣኺሉ እንተርከቦም፣ ዝተሰውኡሉ ቅዱስ ዕላማ ህዝብና ንምርግጋጽን፣ ክሳብ ፉጹም ዓወት ንምብጽሑን፣  ኣሰሮም ብምኽታል ከይተሓለልና ቃልስና ክንቅጽል ምዃና ብስም ኩሎም ኣባላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ – ጨንፈር ሆላንድ መብጻዓና ነሐድስ። ንኩሉም መሪሕነትን መሰረታትን ብጾትናን፣ ከምኡ’ውን ንመላእ ደላዪ ፍትሒ ህዝብናን፣ ብዝለዓለ ከኣ ንክቡራት ስድራ ቤቱ፣ ጽንዓት ይሃብኩም ንብል። ንሱዉእ ኣቦ መንበር ውድብና ጅግና ሓርበኛ ዶር. ሃብተ ተስፋማሪያም ድማ  መንግስቲ ሰማይ የዋረሶ።

 

 

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ – ጨንፈር ሆላንድ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10591

Posted by on Jan 17 2017 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net