ናይ ምስጋና መግለጺ

ማሕበር ረዲኤትን ምዕባሌ ኤርትራ፡ ኣብ ኵለን ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከባ መዓስከር ስደተኛታትን፡ ኣብ‘ተን ምስ ኢትዮጵያ ዝዳወባ ኪኒንን ቅኒቶን ዝበሃላ ክልተ ኤርትራውያን ዓድታት፡ ዘካየደቶ ስርሓትን፡ ዝተበቶ ሓገዛትን ብሰፊሑ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን፡ ብቃለ መጠይቕን፡ ብቪደዮታትን፡ በኣሳእልን ተገሊጹ ኢዩ። ካብ መቕድም መን ይቕድም ከም ዝበሃል ከኣ፡ ሽግር ስደተኛታት ኣሕዋትና ንምቅላል ንኣብ ዲያስፖራ ዝነብር ህዝብና፡ ሓገዙ ከበርክት ማ.ረ.ም.ኤ ንኣባላትን፡ ናይ ፓልቶክ ስመር ቍ.1 ተኸታተልትን፡ ጻዊዒት ምስ ኣቕረበት፡ ኣወንታውን፡ ኣተባባዕን መልሲ ረኺባ።

ኣባላትን፡ ተኸታተልትን ፓልቶክ ስመር ቍ.1፡ ንምቅላል ሽግር ህዝባና ዓቕምና ዘፍቅዶ ከነወፍን፡ ንህዝብና ሓገዝ ከነበርክት ክንጉስጉስ ኢና ብምባል፡ ብኤርትራዊ ኒሕን፡ ሓልዮትን ተሰንዮም መደባቶም ሰሪዖም፡ ቀሊል ዘይበሃል ሓገዝ ኣኪቦም ኣሎዉ።

ፓልቶክ ስመር ቍ.1፡ ኣብ ፖሊቲካዊ ክትዓት ከይተሓጽረ፡ ብተግባር ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት፡ ናይ ወፈያ መደባት እናሰርዐ፡ ኣብ ሱዳን፡ ኣብ ሲናይ፡ ኣብ ሊብያ፡ ንመደባት ሰላማዊ ሰልፍታት፡ ንምሕጋዝ ዝምስገን ኣበርክቶ ክህብ ጸኒሑን ዝቕጽል ዘሎን ናይ ክትዕ መድረኽ እዩ።

ሕጂ ድማ ብመንገዲ ማሕበር ረዲኤትን ምዕባሌ ኤርትራ፡ ነተን ነበርተን ብብርቱዕ ናይ ዝስተ ማይ ሽግር ስለ ዘለወን፡ ኤርትራውያን ዓድታት ኪኒንን ቅኒቶን፡ ክልተ ዒላ ክኰዓትለንን፡ ማዕረ ማዕሪኡ ከኣ ንኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኢትዮጵያን፡ ሱዳንን፡ ዝርከብ ህዝብና ንምሕጋዝ ፓልቶክ ስመር ቍ.1፡ መደባት ይሰርዕ ኣሎ። በ‘ዚ ኣጋጣሚ እዚ ድማ ነታ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ ኣብ ኵሉ ስርሓትና ዘታተየትና መሓዛ ማ.ረ.ም.ኤ ዝዀነት ዩናይትድ ፎር ኤርትረያ (United 4 Eritrea) እትበሃል ማሕበር መንእሰይ ሎሚ‘ውን ኣብ ኵሉ መደባትና ብእትገብሮ ናይ ደገፍ ተሳትፎ ከየመስገንና ክንሓልፍ ኣይንደልን።

ማሕበር ረዲኤትን ምዕባሌ ኤርትራ፡ ምዕባሌ ኤርትራ ክሳብ ብቐጻሊ ንሽግር ህዝብኹም ንምቅላል እትገብርዎ ዘሎኹም ሓገዛት በብሞዕባሌኡ ከተካታትልኩም ኢያ።

ኣብ‘ዚ ቀረባ መዓልታት ድማ ማሕበር ረዲኤትን ምዕባሌ ኤርትራ፡ ምስ‘ቲ ብኤርትራውንያን ኣሜሪካያንን ሓኻይም ዝምራሕ (Star for Star – S4AS) ዝተባህለ መሓዛ ማሕበርን ከምኡ‘ውን ብምትሕብባር ኢትዮጵያውያን ሓኻይም ናይ ዩኒቨርስቲ ከተማ መቐለ ዘለይዎ ናይ ስንን፡ ካልእ ናይ መጥባሕቲ ሕክምና ጉጅለ ብሓባር ናይ ጥዕና መደባት ከካይዱ ስለ ዝዀኑ፡ ማ.ረ.ም.ኤ. ኩሉ ዘድሊ ናይ ምስላጥን፡ ምትሕብባራትን ስራሕቲ ትገብር ከም ዘላ ንሕብርኩም።

ኣብ መደምደምታ ከኣ ማ.ረ.ም.ኤ.፡ በዛ ሓጻር መግለጺ ንኣባላታን፡ ንተኸታተልቲ ስመር ቍ.1 ንዅላቶም እቶም ንምዕዋት መደባታ ብገንዘብ ብንዋት ይኹን ብኻልእ ኣካላውን ስነ ኣእምራውን ሕክምናውን ደገፋት ዝወፈዩ ማሕበራትን ውልቀሰባትን፡ ብስም እቲ ዝሕገዝ ዘሎና ህዝብና ከተመስግን እንከላ፡ ንመላኣ ኤርትራዊ ኣሰራ ክኽተል ጻዊዒት ነቕርብ።

 

ሓበሬታ፥ ስርሓት ማ.ረ.ም.ኤ ንምፍላጥ ኣብ Youtube ERDA ተዘርጊሑ ኣሎ።

ወፈያ፥  በዚ ሕሳብ ባንክ ክላኣኽ ይከኣል፡   Bank፡ Sparkasse Karlsruhe Ettlingen

ERDA e.V. IBAN፡ DE08 6605 0101 0108 1032 27 Swift-BIC፡ KARSDE66XXX

 

ማሕበር ረድኤትን ምዕባሌን ኤርትራ ዝተ.ማ.

 

 

Vorsitzender: Job Maasho
Stellv. Vorsitzender: Berhane Embaye
Schatzmeister: Zeray Tesfay
Postfach 2306 – 76011 Karlsruhe
Telephone: + 49 157 72 59 95 72
Telefax: + 49 (0721) 781 773 54Internet:                  http://www.relief.eritrea.org
Email:        adminstration@ relief.eritrea.org
Eingetragen beim Amtsgericht Mannheim, Nr.   VR    103448
Finanzamt Karlsruhe Stadt: StNr. 35022/25989
Sparkasse Karlsruhe Ettlingen:           SWIFT-BIC: KARSDE66XXX
IBAN DE08 6605 0101 0108 1032 27       &      PayPal    Account

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10689

Posted by on Apr 11 2017 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net