ደለይቲ ፍትሒ ፍትሒ ትማሊ ሰንበት 14 ግንቦት 2017 አብ ከተማ ከሎን ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም


“ያንግ” ህግደፍ YPFDJ መቐጸልታ ናይ’ቲ አብ ሓያሎይ ከተማታት አብ ሃገር ጀርመን ተዋፊርሉ ዝቐነየ ጽዑቝ ጎስጓሳት አብ ከተማ ከሎን እውን ሓደ ሰሚናር ጸዊዑ ነይሩ። ናይ እዚ ብጉልባብ 13th YPFDJ EURO CONFERENCE ዚተጸውዐ ሰሚናር ህግደፍ ሓቀኛ መንቀሊ-ዛዕባ ከአ አብ ሃገር ሆላንድ ወይ አብ ከተማ ፌልድሆቨን ስለ ዝፈሸልሉ ንሰዓብቶም ኣለዓዒሎም ገንዘብ ንምውጻእ ነይሩ። አብ’ቲ ሓውሲ ዕጹው ሰሚናር ዝተዘርበ መረረ “ዓለም ብሓድነትና ቀኒኣትልና”፣ “ኤውሮጳውያን ይቃለሱና አለዉ” ወዘተ ድሕሪ ምባል ነዚታት ክገትኡ ድማ ንከንቲባ ከተማ ፌልድሆቨን አብ ቤት-ፍርዲ ከቕርቡ ህዝቢ ገንዘብ ክዋጽኣሎም ኢዮም ሓቲቶም።
እቲ ዝተጸውዐ ህዝቢ ግና አብ’ቲ ተጸውዖ ሰሚናር ናይ “ያንግ” ህግደፍ YPFDJ አይመጸን። እቲ ሓቂ ብኣንጻር ኮይኑ፡ ገለ ዓበይቲ ሰዓብቶምን በጻብዕ ዚፍቀዱ ደቆምን ሽልብ ግልብ እንበሉ ከም ኣዋፍራ ንህቢ ክኣትዉ ርኢና፣ በቃ፡ ካልእ ዝነበረ አይነበሮምን።
ነቲ ምሽቝራራቶም ካብ ዘካበዶ ከአ እቲ ብደለይቲ ፍትሒ አብ ኣፍደገ ኣደራሽ ሰሚናር ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ ነይሩ። ካብኡ ናብኡ ድማ እቲ ክጥሕሮም ዚውጠጥ ተሳታፊ ሰላማዊ-ሰልፊ መንእሰይ ከም ትጽቢቶም ዘይኮነስ ብኣንጻሩ ጸግዒ ደለይቲ ፍትሒ ወሲዱ ነቲ ጎደና ኣዕለቝሊቑ ምንባሩ’ዩ።
ነኒተቐልቀለ ሰዓቢ ህግደፍ ድማ ናይ ምድሃልን ናይ ተመለስ ጻውዒታትን ይርአ ነይሩ።
ብሓቂ’ውን በቲ ብማይክሮፎናት ናይ ደለይቲ ፍትሒ ብዚግበር ዚነበረ ጻውዒታትን ምሕጽንታታትን ገለስ ባዕሎም ንባዕሎም “ሎሚ አብዚኣ ዘምጻእክኒ እግርስ ይስበርኪ” ዚብልሉ ዚነበረ ሰጋእ መጋእ ዘይተራእየ ኣይኮነን።
ብሸነኽ ደለይቲ ፍትሒ ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝገልጽ ብዝተፋላለዩ ቋንቋታት – ትግርኛ፣ ዓረብኛ፣ ጀርመንኛ፣ እንግልዘኛ፣ ብትግረ፣ ብሳሆ፣ ብብሌን፣ ብዓፋር መግለጺታትን ማዕዳታትን ይወሃብ ነይሩ። ማሕበራዊ ምልኣት ይኹን ናይ ጾታን ዕድመን ተሳታፍነት ይመልኣልና ዘብል ነይሩ።
ድሕር’ዚ ካብ ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ ክሳብ ሰዓት 4 ድሕሪ ቀትሪ ዝተኻየደ ዕዉት ሰልፊ ድማ ምስቶም ልዕሊ መጠን ነቲ ጎደናታት ኣዕለቕሊቆም ዚነበሩ ሓለዋ ፖሊስ ተማሳጊና ሰላማዊ ሰልፊ ዕላምኡ ስለ ዚወቕዐ ብዕሊ ተላዒሉ።
እንተ መንእሰያት ደለይቲ ፍትሒ ግና ነቲ ተረኽቦ ገና ስለ ዘይጸገብዎ ነቲ መግልሒ ድምጺ ናብ ናይ ደርፍታቶም ስድዪታት ቀይሮም ኣብኡ አብቲ ጎደና ጓይላታቶም ቀጺሎም።

ነዚ ተቓዋሚ-ሰልፊ ዘዳሎወት ኣካያዲት ኣካል ናይ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ NRW ኢያ። ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ደድሕሪ ተረኽቦ ላምቦዱዛ ኣብ 2013 ተመስሪቱ። ድሮ’ኳ ካልኣይ ጠቅላል ጕባኤኡ ዘቃንዐ ማሕበረ-ፖለቲካውን ባህላውን ምንቅስቓስ’ዩ። ዕላማኡ ከአ አብ ሃገርና ኤርትራ ስርዓት ውልቀ-ምልኪ ተኣልዩ፡ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምርግጋጽን ሕጋዊ (ቅዋማዊ) መንግስቲ ንምትካልን ኢዩ።
ቅድሚ ምድምዳም ከኣ ነዛ ነዚ ተቓዋሚ-ሰልፊ ዘዳለወት ኣካያዲት ኣካልን ንኹሎም ላዕልን ታሕትን ክጻፍዑ ዚቐነዩ ኣባላት ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስን ከምኡ ብሞራል ኮነ ምትብባዕ ንተሳተፉ ካልኦት ተቓለስትን፡ ዘዐወትኩምና ተዓወቱ ንብል።

ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ NRW
Cologne, 15 May, 2017

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10709

Posted by on May 17 2017 Filed under News, Pictorial Report, Resistance. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net