ንኤርትራ ኣብ መስርዕ ግብረ-ሽበራ ዘእቱ ተወሳኺ ጭብጢ

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ

10.08.2007

 

እቲ ኣብ መጀመርያ ተስዓታት ንሱዳንን ካልኦት ሃገራት ብግብረ-ሽበራ ዝኸስስን ምስ መንግስቲ ኣመሪካ ተመሓዝዩ ከጥቅዖም ውዲታት ክፍሕስ ዝሓድርን ዝውዕልን ዝነበረ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣስመራ፡ ሎሚ በቶም ናይ ሽዑ መሓዝቱ ብግብረ ሽበራ ክኽሰስ ይስማዕ ኣሎ። እታ ንኻልኦት ኢሉ ዝፈሓራ ጕድጓድ ባዕሉ ክኣትዋ ይርአ ኣሎ።

ጀናዲ ፍረይዘር ተሓጋጋዚት ሚኒስተር ወጻኢ ጕዳያት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ብ8 መስከረም 2007 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝገበረቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ ሓሰን ዱሀር ዓዌስ፡ ኣቦ መንበር ናይ’ቲ ብግብረ ሽበራ ዝኽሰስ ሕብረት እስላማዊ ኣብያተ-ፍርዲ ሶማል፡ ዝተሳተፎ ጕባኤ ኣብ ኣስመራ ምክያዱ፡ ኤርትራ ንኣሸበርቲ እትሕብሕብን እትዕንግልን ሃገር ምዃናን፤ ንኤርትራ ኣብ መስርዕ ግብረ-ሽበራ ንምስፋራ ኣብ እንገብሮ ዘሎና መጽናዕቲ ተወሳኺ ጭብጥን ምዃኑ ዘረጋግጽ ኢዩ ኢላ።

ቅድም ክብል ስርዓት ኢሳያስ፡ ናይ ውግእ መሳርያታትን ተዋጋእትን ናብ ሶማል ብምልኣኽ ክኽሰስ ከምዝጸንሐ ዝዝከር ኢዩ። ከምኡ ውን፡ ብጻይ ሙሴ ኤፍረም ብዘቕረቦ ክሲ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት መሰረት ብምግባር፡ ሓደ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ዘካየዶ መጋባእያ፡ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ገበነኛ ኰይኑ ምርካቡ ገሊጹ ምንባሩ ዝፍለጥ ኢዩ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1077

Posted by on Aug 10 2007 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net