ህግደፋውያን ክጻረፉ ይውዕሉ
ኢትዮጵያዋን ድማ ዓዶም የማዕብሉ
ብተስፋማርያም ው/ጊዮርጊስ ኖርወይ 10/08/07
ብናይ ካስል ጉባአ ፈስቲቫል ህግደፍ ሰንቢዱ
ናይ ፍራንክፎርት ምስ ሰምዐውን ኣዐርዩ ርዒዱ
ኣብ ስቶኮልምሞ እናተጻረፈዩ ንድሕሪት ኣኹደዱ
ወረ ገና ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ምስ ተኣከበ በብዓዱ
ህግደፍ ውጻኣት ክሕዞዩ ሸራእራእ ክብል ከብዱ
ኣለውናውን ዕቑራት ሓይሊ ሰላሕታ ዘይተጋህዱ
እኖሆ ነቒሎም ህዝቢ ወዳዲቦም ጠርኒፎም ከዋህዱ
እተሸባሸብ ኣሎ ኤሪትራዊ ከድሕን ንውጽዕቲ ዓዱ
ኢትዮጵያውያን ተጠሚቖም ደቀባት የሕዋትና
ብሮጎቲ ቆርበት ህዝቦም ዝረስዑ ዕሱባት ደመኛና
ንመራሕቶም ከሐጉሱ ብዘይ ኮነ ስምና ዘጸልሙና
ጸማማት ሓንቲ ደርፎም ኣርእስታ ወያኔ ረሳሕ ቃና
ባዓል ስረስ ይቃዎም ኣሎ ንሓቂ ንሰላም ንፍትሒ
ከማኹም ኣይለሓሰን ህግደፍ ዘካዎሶ መርዛም ጸብሒ
ጉድኩም ኣቃሊዑ ከይተሓብአ ኣትኪሉ ብዘይ ፍርሒ
ዓዶም ፍሉጥ ደቂ ኤረ ሓምላይ ደቂ መሬት ሰውሒ
ኣ.ኣበባ ከይዶም መቐለባ እናበልኩም ኣይተጽምሙና
ዘይዕረቕ የለን ደስ ኣይበልኩም ሰላም ምስ ጎረበትና
ብዘይካ ጸርፊ ዋጋ ከምዘይብልኩም በጺሕናዮ ኢና
ብቲቪ ኤረ ተመሪዝኩም ካብ በልኩም ማዕቢልና
ዓይኒ እናረአ ጽቡቕ ኣሎ ህዝቢ ካብ ትብሉና
እንካብ ኮነስ ኪዱ ዓድኹም ኣይተዕገርጉሩና
ኣብ ጎኒ ቲቪ ኤረ ኮንኩም ድላይኩም ጽረፉና
ሕጻን ቆልዓውን ይፈልጦዩ እንታይ ከምትብሉና
ድሑራት ምስ ዓለም ዘይጓዓዙ ብሓሶት ዝዓገቡ
ብጸርፍን ሕጫጨን ብድዐን ተዘሪኦም ዝዓንበቡ
ኣብ ምዕቡል ሃገር እናነበሩ ዘይማሃሩ ዘየቃልቡ
ክንደይ ከይርደኦም ክሳብ መላሕሶም ዘኸንሽቡ
ሓደ ልብና ኸኣ ይብሉ ከውሒ ልቦም ጎይቶት ጓይላ
ብሓደ ልቢ ሓደ መራሒ እንድያ ሃገር ንዕርበታ ዘላ
ምዕራባውያን ብናይ ብዙሓት ሓንጎል እየን ዝማዕበላ
ኣእምሮ እንተዝህሉ ምተርፈ ኩዕታ በፍራዛ ብባዴላ
ልብኹም ምውናኑ ምስ ሰኣንኩም ገዚኡዎ ብጅምላ
ሓደ ልብና እናለ ኣሻንጉሊት ሰሪሕኩም ከም ባምቡላ
ልብኹም ካብ ተሰልበ ኩሊት ጥራይ በይና ተሪፋላ
ንዓኣውን ጠቢሑ ክወስዳዩ ድሕሪ ኣኸባ እምባትካላ
Short URL: https://english.farajat.net/?p=1143