መበል 22 ፈስቲቫል ኤርትራ ኣብ ፍራንክፈርት ብወግዒ ተኸፊቱ

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ

03.07.2007

እቲ ብኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር ብምትሕብባር ምስ ጨናፍር ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ንመበል 22 ዓመት ዝኽበር ዘሎ ፈስቲቫል ኤርትራ ሎሚ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ተኸፊቱ። ኣብ ናይ ሎሚ መደብ፡ ብጻይ ወልደሱስ ዓማር፡ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ሽማግለ፡ ዝመርሖ፡ ብጾት ተስፋይ ወልደሚካኤል፡ ምኽትል ኣቦ መንበር፤ ብጻይ ተኽለ መለኪን፡ ሓላፊ ወጻኢ ጕዳያት፤ ብጻይ ኣሰፋው በርሀ፡ ሓላፊ ስርዒታዊ ጕዳያት ቤት ጽሕፈት፤ ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን፤ ብጻይ ብርሃነ ተስፋጋብር፡ ሓላፊ ገንዘባዊ ጕዳያት ዝተሳተፍዎ ናይ ኣባላት ሰሚናር ተኻይዱ።

ብጻይ ወልደሱስ ብዛዕባ ህልው ኵነታትን ሃገርን ደምበ ተቓውሞን ብዛዕባ ምምስራት ናይ ሰፊሕ ህዝባዊ ባይታ ዘለዎ ሰልፍን ኣመልኪቱ ዝርዝር መግለጺ ኣቕሪቡ። ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል ንምስረታ ሰልፊ፥ ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም ከኣ፡ ንኪዳን ዝምልከት ተወሳኺ መብርሂታት ኣቕሪቦም።

ብድሕር’ዚ፡ ናይ ሕቶን መልስን ርእይቶን ዕድል ንኣኼበኛታት ተዋሂቡ። ኣኼበኛታት ኣብ’ቲ ዝቐረበ ኣርእስቲ ዓሚቝ ክትዓትን ምርድዳእን ድሕሪ ምግባር፡ ለበዋታቱ ንመሪሕነት ኣቕሪቡ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1079

Posted by on Jul 3 2007 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net