20 ሰነ መዓልቲ ስማእታት፡ ኣብ ከተማ ከለን ብኽብ ዝበለ ድምቀት ተዘኪራ ውዒላ

ስነ-ስርዓት በዓል ብዝኽሪ ሰምእታትዩ ተፈሊሙ፡ ምብራህ ሽምዓ’ውን ስዒቡ ፡

ቀጺሉ ኣሰናዳኢት ኮሚተ ኣብ መደሪኡ ፡ እዛ ማዓልቲ እዚኣ፦

  • ሓንቲ ካብተን ክቡራት ታሪኻዊት ዕለታት ኣብ ዓመት ኮይና፡ ንህላወና ክዉን ዝገበረት ፍልይቲ ወርቃዊት ዕለትን፡ ንኹሉ ኤርታራዊ ኣታሓቓቒፋ ሓድነትና ነረጋግጸላ፡ በዚ ክኣ ህያውነት ስማእታትና እንምስክረላ፡
  • ንኹሉ መሰናኽላት ባዕዳውያን ገዛእቲ ንዝክረላን ንኩሉ ብድሆታትና ዝተኸፈለ መስዋእቲ ዘኪርና ቃልስና ንሰላም ነበረትዓሉ ህሞት፡
  • ስቕታ ዓለም ብፍላይ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ዝተጻወቶ ተራ ኣብ ታሪኽና ንኸይድገም ድምጽና ነቃልሐሉ መዓልቲ ኢያ፡ እዚውን ንውሳኔ ኮምሽን ዶብ ብዘይ ዕጻይ ምጻጻይ ወያነ ከተግብሮ ዓው ኢልና ክንምክት ሓይሊ ትኾነና ፍልይቲ ዕለት፡
  • ሽግር ውሽጣዊ ኩነታት ሃገርና ባዕልና ኤርትራውያን ክንፈትሓላ ትድርኸና ፡
  • ደወል ዲሞክራሲን ፍትሕን፡ ኣንጻር ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ንቃጨለላን፡ ነቶም ብዘይ ፍርዲ ንዓመታት ሃለዋቶም ዘይተፈለጠ ጀጋኑ ብጾት ንዝክረላ፡
  • ቅዋማዊ መንግስቲ ንምትካል፡ ሕድሪ’ና ነሐድሰሉ ክብርቲ ዕለት ብምባል ሰፊሕ ትርጉም እዛ ዕለት ተዋሂቡ፡   

 

መድረኽ ንማሕበረ-ሰብ ከለንን ከባቢኣን ኢዩ ቀጺሉ ተዋሂቡ፡ ንሳቶም ንኽብሪ እዛ ዕለት ብምግላጽ፡ ሚስጢር ዓወትና ሓድነትና ምዃኑ ብምርዳእ፡ ንጥርናፈ ኤርትራዊ ኣበርቲዓ ከምትሰርሕ፡ እዛ ዕለት ተደራቢ ሓላፍነት ከምትህቦም ኣብሪሆም።

ቀጺሉ ታሪኽ ጸላም-ሰንበት በቶም ዝወዓሉ ብሰፊሕ ተዘንትዩ፡ ክብሪ እዛ ዕለት ንዘልኣለም ህያውነት ክትለብስን፡ ተግባር ዝተሓወሶ ክትከውን ሓላፍነት ኩሉ ኤርትራዊ ምኻኑ ኣዘኻኺሮም።   

ሓደ ሓው ኣብቲ ኣጋጣሚ እዚኣ ዕለት እዚኣ ኣብዚ ቦታ’ዚ ታሪኻዊት ዕለት ኢያ፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ብዘይ ናይ ሃይማኖት ወይ ናይ ፖለቲካ ኣፈላላይ ዘሳተፈት ብምዃና፡ ብተወሳኺ ኣብ ቃልዕ ወጺእና ንህዝቢ ጀርመን ብፍላይ ንህዝቢ ከለን ክብሪ ህዝብና ብዋጋ ሰማእታትና ምኻኑ ዝተረጋገጸሉ ዕለት ብምዃና ፍሉይ ይገብራ። እዞም ሓደሽቲ መንእሰያት፡ እዚ ኹሉ ሳህራን ባሕሪን ተሳጊሮም መጺኦም፡ ከምዚ ኢሎም ክጥርኑፉናን ብሓባር ንትግባረ ሕድሪ ሰምእታት ቅድሚት ጠጠው ኢሎም ክትርኢ፡ ሞራልካ ክብ ኣቢሉ ከምቲ ንወራራት ወያነ ዘምከትዎ፡ ኣብ ምትካል ፍታሓውን ፡ ዲሞክራሲያዊ መንግስቲውን ዝላዓለ እጃም ከምዘለዎም እንሆ ህያው ምስክር ኢዩ ቢሎም።

ቀጺሉ ጊዘ ሓርነታዊ ቃልሲ እጃሞም ዘበርከቱ ንዝተኸፈለ መስዋእቲ ንምዝንታው ፡ ነየናይ ጠቒስና ነየናይ ክንሓድግ ብምባል፡ ንፉልያት እዋናት ብምትራኽ፡ ኣብ ናይ ሓሳብ ባሕሪ ኣጥሓሉና ።

መንእሰያት ብወገኖም፡ ኣብ ዝተፈላለየ ወራራት ወያነ ዘሕለፍዎን፡ ዝተፈለይዎም ብጾቶም ዘኪሮም፡፡ ዕላላቶም  ኣብ ግንባራትን፡ ቤት ማእሰርትታት ህግደፍን፡ ኣብ ሳህራን ባሕርን፡ ኣብ ዝተፈላለየ መዕቆቢ ስደተኛታት፡ ህይወቶም ዘሕልፉ ዘለዉ መንእሰያት ብምዝካር ዓሚቕ ታሪኽ ተዘንትዩ፡፡

“ህላወኻ ዘጠራጥር፡ እጃምካ ከምቲ ዝድለ ከተበርክተሉ ዘይትኽእል ህሞት ብምኻኑ ናይ ሕልና ወቐሳ ይስማዓና’ሎ” ብምባል ሓደ ዓቢ ኣቦ ካብቲ ዝጸናሕናዮ ትዝታ ኣበራበሩና ፡ “ዓቢ ናይ ሕልና ወቐሳ”… ደገሙ…

ኣብ መወዳእታ እቶም ኣቦ ብምቕጻል፡ ነዚ ተውሂቡና ዘሎ ሕድሪ፡ ወዓል ሕደር ዘየድልዮ ናይ ጽባሕ ተሓተቲ ምዃና ፈሊጥና፡ እጅገና ሰብሲብና ንሽግራት ህዝብና ኣብ ምፍታሕ፡ ኣበርክቶና ክብ ከነብል ጸዊዖም።

ሰማእታትና ወትሩ ይዘከሩ!

ኣዳላዊት ኮሚተ   

ካብቶም ዝቐረቡ ፖስተራት

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1116

Posted by on Jun 23 2007 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net