መግለጺ ኮምሽን ምምስራት ሰልፊ

ተ.ሓ.ኤ ሰወራዊ ባይቶ በኣተሓሳስባ ምስ ዝመሳሰልዎ ውልቀሰባትን ውድባትን ኮይኑ ሰፊሕ መሰረት ዝህልዎ ሰልፊ ንምምስራት ዝወሰዶ ተበግሶ ጭቡጥ ንምግባር ከም ኮምሽን ኣሰኪምና ዘሎ ሓላፍነት ከቢድ ታሪኻዊ ሓላፍነት እዩ። ታሪኻዊ ተልእኾና ብዓወት ንምፍጻሙ ኣብ ርእሲ’ቲ ንሕና እንገብሮ ጻዕርን ድኻምን ምድግጋፍ ናይ ኩሉ ግዱስ ኤርትራዊ ከምዘድሊ ንኣምን። ተምሳሳሊ ኣረኣእያ ዘለዎም ኤርትራውያን ኣብ ፋሕ ዝበላ ናእሽቱ ጉጅለታት ተመቓቒሎም ሓይሎም ብኸንቱ ካብ ዘባኽኑ ኣብ ሓደ ኣድማዒ ሰልፊ ክጥርነፉ ከለው ንህልውን መጻእን ቃልስና ንቕድሚት ዘሰጉም ንህዝብና ተወሳኺ ሓይልን ተስፋን ዝህብ እዩ። ከምዚ ዝመስል ቁዱስ ሓሳብ ብዘይዋጋ ከምዘይረጋግጽ ፍሉጥ እዩ። በዚ ምኽንያት እቲ ኣብ ውሽጢ እቶም ተመሳሳሊ ኣረኣእያ ዘለዎም ኣካላትን ወልቀሰባትን ዘሎ ንኡስ ፍልልያት ንዝዓበየ ረብሓ ህዝብና ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ክእለን ክውገንን ይግብኦ። እዚ ዕማም እዚ ከኣ ናይ ጽባሕ ዘይኮነ ህጹጽ ዕማም ህልው መድረኽ እዩ።

ኮምሽን ምምስራት ሰልፊ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ መደምድምታ ብልቢ እናኣመነት ንተሰኪማቶ ዘላ ሓላፍነት ንምዕዋት ክልተ ክሕለፍ ዘለዎ መድረኽ ከምዘሎ ትርኢ። ኣብቲ ቀዳማይ መድረኽ እተፈላለየ ሓሳባት ዘሰተኣናግድ መድረኻት ብምኽፋት ብሱል ምርድዳኣት ክካይድ ከተተባብዕ እያ። ኣብቲ ካልኣይ መድረኽ ከኣ ብውጽኢት እተኻየደ ክትዓትን ምርድዳኣትን እተጠርየ ስምምዓት ሰኒዳ ሕጋዊ መልክዑ ዝሕዘሉ ጉብኤ ክትውድብ እያ።

ኣብ ውሽጢ እዚ ንጹር ስትራተጂ ስርሓ ዝጀመረት ኮምሽን ምምስራት ሰልፊ ንቀዳማይ መድረኽ ዝድግፍ ንድፊ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ኣዳልያ ንኽትዕ ቀሪባቶ ኣላ። መስርሕ ምጽሓፍን ምጽራይን ንድፊ ፕለትካዊ መደብ ዕዮ እናተኻየደ፡ ሰክረተር ምምስራት ሰልፊ ውን ቀጻሊ ኣኼባታት ከተካይድ ጸኒሓ ኣላ። ሰክረተር ምምስራት ሰልፊ ዝርዝራት ስርሓታ ስኢላ ስርርዕ ኮምሽን ምሉእ ዝኾነሉ ተግባራዊ መደባት ሓጺጻ ኣላ።

ኣባላት ተሓ.ኤ ሰ/ባ ውድቦም ኣፍሪሶም ኣካል ሓዲሽ ሰልፊ ክኾኑ ተዳልዮም ኣለው። እቲ ምስርሕ ብዕቱብ ንምፍጻሙ መንፈሳውን ተግባራውን ምድላው ክግበሩ ጸኒሖም እዮም ። ብሕጂ ውን ጽዑቕ ቃልሲ ክግበሩ እዮም። ሓዲሽ ለውጢ ብሓዲሽ ኣተሓሳስባ ክስነ ስለዘለዎ ቀጻሊ ተበላሓቲ ተበግሶታት ክወስዱ ከድልዮም እዩ።

ኣባላት ተ.ሓ.ኤ ዘይጸንሑ ኣካላት ውን ዝጽበዮም ቃልሲ ተመሳሳሊ እዩ። ንነብስኻ ንለውጢ ኣዳሊኻ ንዝሰፍሐ ምትእኽኻብ ኤርትራውያን ምቹእ ኩነታት ምፍጣር እዩ። ብተሞክሮን ውድባዊ ህይወትን ካባኻ ዝፍለዩ ብህልውን መጻእን ኣረኣእይኦም ግን ዝመሳሰሉኻ ኣካላት ሓቢርካ ኣብ ሓደ ሰልፊ ተጠርኒፍካ ክትሰርሕ ምምራጽ ንኣረጊት ፖለትካዊ ኣተሓሳስባ ዝብድህ ውሳኔ እዩ።

ኣብ ሓደ ሰልፊ ምምጻእ ዓብይ ታሪኻዊ ውሳኔ እዩ። ንመኽሰብካ ሓሊኻ ቀጻልነቱ ምርግጋጽ ከኣ ካልእ ተወሳኺ ሓላፍነት እዩ። ኣብ ህይወት ፍጹም ዝኾነ ስምምዕ የለን። ኣብቲ ቀጻሊ መስርሕ ንኡስ ፍልልያት ክህሉ ይኽእል እዩ። እቲ ካብ መሪር ተሞክሮና ክንመሃሮ ዘለና ግን ንስምምዕካ ዕዙዝ ኣቓልቦ እናሃብካ በቲ ዝፈላልየካ ንኡስ ጉዳያት ተኸባቢርካን ተኸኣኢልካን ምንባርን በብቕሩብ ንምእላዮም እናተቓለስካ ናብ ፍጹምነት ገጽካ ምኻድን እዩ። ነዚ ምስጢር’ዚ ጨቢጥና ንኹሉ ጸገማት ብዓወት ክንስዕሮ ንኽእል ኢና።

ኾምሽን ምምስራት ሰልፊ ከምዚ ዝመስል ተረድኦ ሒዛ ስርሓ ንምፍጻም ተበጊሳ ኣላ። ርእይቶን ምኽርን ግዱሳት ኤርትራውያን እናተቐበልት ንቕድምቲ ክትስጉም ምዃና ንሕብር።

ኮምሽን ምምስራት ሰልፊ

3/12/2007

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1081

Posted by on Dec 3 2007 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net