News

መድረኽ ሃገራዊ ዘተ (መ.ሃ.ዘ.) ዋዕላ መቐይሮኣዊ ምትሕብባር (ዋ.መ.ም.)

መድረኽ ሃገራዊ ዘተ (መ.ሃ.ዘ.)

ዋዕላ መቐይሮኣዊ ምትሕብባር (ዋ.መ.ም.)

ዳግመ–ውደና፤ትኹረት፤ ኣውራነት

ፍራንክፈርት ጀርመን

20-22 ጥቅምቲ 2017

ጋዜጣዊ መግለጺ 9 ጥቅምቲ 2017

 

በቲ ብቀጻሊ ኣብ መንጎ  ፖለቲካውያንን በርጌሳውያንን ተቓወምቲ ውድባት ሓባራዊ ሃገራዊ ራእይን፡ ውሁድ ተግባርን ክብ ንምባል ኪካየድ ዚጸንሐ ጻዕሪ መሰረት: መድረኽ ሃገራዊ ዘተ (መ.ሃ.ዘ.): ብኣሳላጥነት ኤሪ–መድረኽ: ኣብ 20-22 ጥቅምቲ 2017: ዋዕላ መቐይሮኣዊ ምትሕብባር ዘርእስቱ ንምግባእ ጸዊዓ ኣላ::

 

ቀንዲ ዕላማ  ዋ.መ.ም. ፖለቲካውያንን በርጌሳውያንን ውድባት ኣብ ሓደ ብምምጻእ፡ ብዛዕባ ንህዝብን ሃገርን ተደቊኑዎ ዘሎ ብድሆታትን ዕድላትን ሓባራዊ መረዳእታ ምብጻሕ፡ ኣብ ኤርትራ ሰላማውን ስሩዕን መስርሕ ለውጢ ንምምጻእ ሓባራዊ ሃገራዊ ራእይን፡ ውሁድ ስትራተጂ ብምስኣል ሓባራዊ ስምምዕ ንምርግጋጽ እዩ።

 

ብጠቕላላ 20 ውድባትን ማሕበራትን ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ዋዕላ ዋ.መ.ም. ክሳተፋ እየን::

 

ኣዳላዊት ሽማግለ መ.ሃ.ዘ. ዋ.መ.ም.: ኣብዚ ቀረባ እዋን እተን ኣብ ውሽጢ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ኤርትራ (ሃዋዲለኤ) ዘለዋ ውድባት: ምስ ዋ.መ.ም. ኣብ ሓደ ዕለት ዝውዕል ሰሚናር ከም ዝገብራ ፈለጣ:: እዚ ክልተ ኣኼባታት‘ዚ ተመላላኢ ኢዩ:: ኣዳላዊት ሽማግለ መ.ሃ.ዘ. ዋ.መ.ም. ዓወትን ኣሳልጥን ክረኽቡ ምንዮታ እናገለጸት: ምስ ነፍስወከፎም ዘመነ መቐይሮኣዊ ምትሕብባር ክትርኢ ሃንቀው ትብል::

 

 

ኣዳላዊት ሽማግለ መ.ሃ.ዘ. ዋ.መ.ም.

CTCPreparatoryCommittee@gmail.com

9 ጥቅምቲ 2017

 

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top