ጋዜጣዊ መግለጺ ስክረታርያ ሰሚናር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፣ ኣቲይዎ ካብ ዝነበረ ደውታ ንምስጓሙ፣ ብፖለቲካዊ ሓይልታትና ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕርታትን ቀጻሊ ዘተን ርክብን ብምጥንኻር፣ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤሃባደለ፣ ካብ ዕለት 20 ክሳብ 28 ጥቅምቲ 2017 ኣብ ትሕቲ “ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ንምድሓን ኩሉ ንምኽፋል ንዳሎ” ዝብል ቴማ ኣገዳሲ ሰሚናር ኣካይዱ።

ኣብ ምጅማር ሰሚናር፣ ውድብ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ ብኣቦ መንበሩ ኣቢሉ፣ ብመሰረት ስምምዕ ፖለቲካዊ ውድባት ብዕለት 7 ለካቲት 2014  “ኣኼባ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፣ ኣብ ጉዳይ ዲምሓዂኤ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም 2012 ንጀማሪ ብረታዊ ሰውራ ኤርትራ ንዝኾነ ስዉእ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ኣመልኪቱ ዝወጸ መግለጺኦም ኣብ ደንበ ታቓውሞ ፖለቲካ ኤርትራ ዝፈጠሮ ቅልውላው ይቕሬታ ሓቲቱ” ዝብል ዝነበረ መርገጺኡ ምዃኑ፣ ሕጂ’ውን ብንባብ ኣረጋጊጹ። መሪሕነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፣ ነቲ ብኤሃባደለ ንዲምሓኲኤ ኣመልኪቱ ተመሓላሊፉ ንዝጸንሐ ናይ ምድስካል ውሳነ ንኽለዓል ናይ ሓባር መርገጺ ወሲዱ።

ሰሚናር ብምቕጻል ኣብ’ቲ ብኣዋሃሃዲት ሽማግለ ሰሚናር ዝቐረብሉ ፖለቲካዊ ገምጋም ህልዊ ኩነታት ኤርትራን ገምጋም ግደ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣብ መስርሕ ኤሃባደለን ዕቱብ ሓላፍነታዊ ምይይጥን ገምጋምን ኣካይዱ። ኣገደስቲ ሓባራዊ ተረድኦታት ድማ ኣመዝጊቡ። ኣብዚ መዳይ’ዚ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ምምስራት ኤሃባድለ ወሳኒ ተራ’ኳ እንተንበሮ፣ ማዕረ መዕሪኡ ከኣ፣ ኣብ መስርሕ ጉዕዞ ሃገርዊ ባይቶ ኣሉታዊ ግደ ከም ዝነበሮ ብምቕባል፣ ኤሃባደለ ካብ ኣቲይዎ ዘሎ ደውታ ንምውጻእ ፍታሓት ኣሚቱ።

ብምቕጻል፣ ኣብ ንድፍታት ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ብኣወሃሃዲት ሽማግለ ሰሚናር ዝቐረቡ ሓሳባት ተመያይጡ፣ ምምሕያሽ ዘድልዮም ብምምልካት፣ ናብ ዝምልከቱ ኣካል ኤሃባደሉ ከም ለበዋ ንኽመሓላለፍ ወሲኑ።

ሰሚናር ፖለቲካዊ ውድባት ግዜ ሂብካ ምይይጥን ሓባራዊ ተረድኦን መፍትሕን ዘድልዮም ዛዕባታት ምህላዎም ብምንጻር፣ ብደረጃ ኣቦ መንበራት ፖለቲካዊ ውድባት ክውገኑን ናይ መወዳእታ መዕለቢ ክግበረሎም ርእዩ። ናብ ዕዉት ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ንሰጋገረሉ ጥጡሕ ባይታ ክምድምዱ ብምትሕሳሳብ ሰሚናር ስርሑ ዛዚሙ።

ሰሚናር ፖለቲካዊ ሓይልታት፣ ንህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ንቤት ጽሕፈት ሰንዓ ፎርም፣ ብቐጻሊ ንክገብሩልና ንዝጸንሑ ኩሉ መዳያዊ ምድግጋፍ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ምክያድን ምዕዋትን ሰሚናር ፖለቲካዊ ሓይልታት ዝቐረበ ደገፍን ምትሕብባርን፣ ዕዙዝ ምስጋና ኣቕሪቡ።  

ስክረታርያ ሰሚናር ፖለቲካዊ ሓይልታት

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

28  ጥቕምቲ 2017

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10882

Posted by on Oct 31 2017 Filed under News, Press release. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net