ፈስቲቫል ፈስቲቫል ፈስቲቫል ላም’ስ ምስ ሓራዲኣ ማይ ትሰቲ፡

ኤሪትራዊት አደ አብ ስደት ሱዳንን ኢትዮጵያን    ገዲም ተጋደልትን መናእሰይን አብ ኮንተይነር

ህዝቢ ኤርትራ ንሓደ ክፍለ ዘመን ብዘይ ዕረፍቲ ተቓሊሱ፡ ኣሻሓት ደቁ ከፊሉ ዋና ሃገሩ ከኸውን በቒዑ እኳ እንተተባሃለ፡ መሰሉን ሓርነቱን ተመንጢሉ ክብሩን ክበሪ ሃግሩን ተደፊሩ፡ ኣብ ዓለም ዝነበሮ ዝናን ተቐባልነትን መሬት ዘቢጡ፡ ዋና ከም ዘይብሉ እንስሳ አብ ሃገሩን አብ ስደትን አደዳ መቕዘፍቲ ኮይኑ ይርከብ፡ ስርዓት ህ-ግ-ደ-ፍ ምስ ኮራዅሩ ስሙር ህዝባዊ ተቓውሞ ንኸይምክቶ፡ ንህዝቢ ድሂሉ ብም’ምብርካኽ ብወገንን ሃይማኖትን ሓድነቱ በታቲኑ፡ ኣብ ቀጻሊ ምትንዃልን ምትህልላኽን ኣትዩ ስለዘሎ፡ ብጀካ ቶንኵልን ክፍኣትን፡ ፍትሕን ሰላምን ከስፍን እዩ ተባሂሉ ትጽቢት ዝግበረሉ ኣይኮነን።

ኣብ ዓለም ዓነዲ-ሕግን (ዩንቨርሲቲን) ዘይብላ ሃገር እንተላ ኤርትራ ጥራሕ እያ። ስርዓት ህ-ግ-ደ-ፍ ካብ ዝሓለፉ ባዕዳውያን ገዛእቲ ንላዕሊ ሃገርን ህዝብን ኣበሳቢሱ፡ ሃገር ማኣዝናታ ኣብ ተጥፋኣሉን፡ ህላውነት ሃገርን ህዝብን አብ አስጋእን አጠራጣርን ኵነታት የምርሕ ከም ዘሎ፡ ብቐረባ ንዅነታት ሃገሩ ዝከታትል ወዲ ሃገር ብቕሊሉ ክግምት ይኽእል። ሰለ’ዚ አብ ቶሮንቶን ከባቢኣን እትነብር ኤርትራዊ፡ ብሰንኪ ስርዓት ህ-ግ-ደ-ፍ ህዝብኻ አብ ዓዘቐቲ ጥምዬትን ስቓይን መከራን ተሳጢሑ እና ተዓዘብካ፡ ህ-ግ-ደ-ፍ አብ ዘዳልዎ ፈስቲቫል ምስታፍ ማለት፡ ኣብ ልዕሊ መቓብር ስውኣትን ጭኵን ህዘብኻን ምስዕሳዕ ማለት እዩ። በቶም በጻብዕቲ ዝቑጸሩ፡ ናይ መንነት ቅልውላው ዘለዎም፡ ዕሱባት ህ-ግ-ደ-ፍ ከይተበዳህካ፡ ኣንፈት ሃገርካን ህዝብኻን ተገንዚብካ፡ ሃገርካን ሀዝብኻን ንምድሓን ተባራበር፡ ሃገራዊ ሓላፍነትካ ምዃኑ ኣይትዘንግዕ።  

ፍትሒ ንህዝቢ ኤርትራ

ውደቀት ንጓሓላሉን መንድዓት ሃገርን

ካብ ግዱሳት ኤርትራውያን ቶሮንቶ!

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1162

Posted by on Jul 29 2007 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net