ጸገማት ኤርትራዊያን ስደተኛታት ፍታሕ ንምርካብ ዝዓለመ ጻዕርታት ይቕጽል

ጋልፍ ኢንፎርመሽን ሰንተር
ሓምለ 28, 2005 
ካርቱም

ብዛዕባ ጸገማት ኤርትራዊያን ስደተኛታት መልእኽቲ ንምብጻሕ ኣብ ዝግበር ዘሎ ጻዕርታት፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ው.ሕ.ሃ ኣብ ሱዳን  ካብ ሰብኣዊ መሰላት ዝጣበቑ ማሕበራትን ካልኦት ሞያዊያን ደብዳቤታት ተቐቢሉ።ሓደ ካብዚ ማእከል ሰብኣዊ መሰላት ሶይራ፡ ኤርትራዊያን መንእሰያት ኣብ ቤት መእሰርቲ ኮበር ሱዳን ዝርከቡ ብሰንኪ ንሃገሮም እትመልሶም ዝነበረት ነፋሪት ሊቢያ ጨዊኹም ተባሂሎም ዝተእሰሩ ንኽፍትሑ ጻውዒት ኣቕሪቡ።ከምእውን ሰንተር ጋልፍ ኢንፎርመሽንን ማእከል ዜና ኤርትራዊያን(EMC) ተመሳሳሊ መልእኽቲ ናብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ው.ሕ.ሃ ኣብ ሱዳን ኣቕሪቦም።ኣብቲ ዝቐረበ መልእኽቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ኤርትራዊያን መንእሰያትን ኣብ ኣፍደገ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ው.ሕ.ሃ ኣብ ሱዳን ንኣስታት 40 መዓልታት ምእንቲ መሰሎም ዝውዕሉን ዝሓድሩን ዘለዉ ቅልጡፍ ፍታሕ ንኽግበረሎም ይጽውዕ።

ነቲ ዝግበር ዘሎ ጻዕርታት መፍትሒ ንምንዳይ ኣቶ መሓመድ ጠሃ ተወከል ኣብ ቤ/ጽ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ው.ሕ.ሃ ኣብ ሱዳን  ምስ ዝርከቡ ሓለፍቲ ከም’ውን ጉዳይ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ዝምልካቶም ኣካላት ኣብ መንግስቲ ሱዳን ተራኺቡ።ኣብቲ ርክብ ብዛዕባ ጸገማት ኤርትራዊያን ሰተኛታት ድሕሪ ምዝርራብ ው.ሕ.ሃ ኣብ ኣታሕዛ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ርኡይ ዘይፍትሓዊ ኣተሓዛ ይገብር ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ኣስታት 60 ዝኾኑ ኤርትራዊያ ቖሉዑ፤ ኣንስትን መንእሰያትን ዝርከብዎም ኣብ ኣፍደገ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ው.ሕ.ሃ ኣብ ሱዳን  ዝውዕሉን ዝሓድሩን ዘለዉ ክሳብ ሕጂ ፍታሕ ብዘይምርካቦም ሓደ መራእያ ኣታሕዛ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ው.ሕ.ሃ ኣብ ሱዳን እዩ ክብል ኣቶ ተወከል ገሊጹ።

ሓለፍቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ው.ሕ.ሃ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ እቶም እሱራት ኤርትራዊያን ንኸይስጎጉ ከም’ውን ኣብ ሱዳን ናይ መንበሪ ፍቃድ ንኽዋሃቦም መብጻዕታት ረኺቦም ከምዘለዉ ገሊጾምለይ ክብለ ኣቶ ተወከል ኣፍሊጡ።

ብጉዳይ ኤርትራዊያን ዝግደሱ ወገናት ኣብ መንግስቲ ሱዳን ዝግበር ዘሎ ደገፍን ምድንጋጽን ከም’ውን ብህዝቢ ሱዳን ቅድሚን ድሕሪን ናጽነት ስለቲ ጽቡቕ ምግያሾም ምስጋና ኣቕሪቡ።ንሱ ኣስዒቡ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ምሕጋዝ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምልጋስ ዲክታቶራዊ ስርዓት ቐንዲ ጠንቂ ንምስዳድ ኤርትራዊያን ኮይኑ ዘሎ ግቡእ ተርኡ ክጻወት ጸዊዑ።

ብተመሳሳሊ ዜና ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምምላስ ኤርራዊያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ነበር ሕጂ ኣማኻሪ ማሕበር ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ኣቶ ዓንደብርሃን ልኡኽ ናይቲ ማሕበርን ወኪል ናይቶም ንመሰሎም ዝጠባቐ ዘለዉ ኣብ ኣፍደገ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ው.ሕ.ሃ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ብዛዕባ ጸገማት ኤርትራዊያን ስደተኛታት ንኮሚሽነር ኮሚሽን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ከምዝገለጹ ሓቢሩ።ኣቶ ዓንደብርሃን ብወገኑ ብዛዕባ እቲ ስርዓት ዝግብሮ ዘሎ ጠንቂ ንምስዳድ ኤርትራዊያን ብምግላጽ ንላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ው.ሕ.ሃ ኣብ ሱዳን፤ ንጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ጀኔቫን ንስባኣዊ መሰላት ዝጣበቃ ማሕበራት እቲ ጸገም ቅልጡፍ ፍታሕ ምእንቲ ክረክብ ማሕበር ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ደብዳቤታት ከምዝሰደደት ገልጹ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2890

Posted by on Jul 28 2007 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net