ቀዳማይ ጉባኤ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ብዓቢ ድምቀት ተኸፊቱ

ቀዳማይ ጉባኤ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ሎሚ ዕለት 25-12-2008 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብወግዒ ተኸፊቱ፡ ኣቦ ወንበር ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ኣቶ ኑር መሐመድ ኢድሪስ ኣብ መኽፈቲ ጉባኤ ኣብ ዝሀቦ ቃል  ንዕዱማትን ኣባላት ሰልፍን ናይ እንኳዕ ደሐን መጻእኩም ቃል ድሕሪ ምስምዑ ከምዚ ዝስዕብ መደረ ኣስሚዑ፡ ጉባኤና ሎሚ ኣብ ትሕትዚ ውጡር ኩነታት ሀገርና ህዝባዊ ህልቂትን መሰል ደቂ ሰባት ዝተነፍገሉ ኩነት ንገብሮ ስለዘለና፡ ብቑጠባዊ ዝቕበባን ፖለትካዊ ቅልውላው ትሳቐየሉ ዘላ ውድዕነት ሀገር፡ ብሰንኪ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ  ጎረባብቲ ሀገር ብስክፍታ ሰላም ምስኣን ኣብ ዞባና ዝርበሸሉ ዘሉ እዋን፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ሐያል ሐፍ ዘይብል ጸቕቲ ይነብር ከምዘሎ ኩሉ ህዝቢ ዓለም”ኳ ዝምስክሮ እንተኾነ ህዝብና ካብ ሽግሩ ንምልቓቕ ባዕሉምበር ካብ ካልእ ክጽበ ከምዘይብሉ  ስለንኣምን ጉባኤና ኣብ ትሕቲ  ሓይልና ሓድነትና ዝብል ሀገራዊ ጭርሖ ሕጂውን መርገጽና ከም ናይ ኩሉ ግዜ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኤርትራዊ ዴሞክራስያዊ ኪዳን ጽኑዕን ስጡምን ዝኾነ ጽዑቕ ቃልሲ ብምክያድ ጥራሕ ምዃኑ፡ መፍትሕ ሽግር ሀገርና መተካእታ ዘይብሉ ሐቂ ስለዝኾነ  ንሀገራውን ኪዳናውን ሐድነትና ብጽንዓት ክንሰርሐሉ ምዃንና ከበስር ይፈቱ ድሕሪ ምባል ከምኡውን ኩለን ተቓወምቲ ውድባት ተቐራሪበን ብምትሕብባር ቃልስታት ከርእያ ንጽውዕ፡  ቃልስና ምሉእነትን ኣሳልጦን ምእንቲ ክረክብ  ሕጂ ኣብዚ እዋንዚ ኩሉ ህዝብን ውድባትን በርጌሳውያን ማሕበራት ኤርትራን ኩሉ እንትናና ንሀገራዊ ዋዕላን ሓድነትን ዝዓለመ ክኽውን እዩ ዘለዎ ክብል ብጥብቂ ኣማሕጺኑ፡

ኣብ ጉባኤና ንዝተኻፈሉ ኣቦ ወንበር ኪዳንን  ሰንዓ ፎርምን ናይ 12 ውድባት ወከልትን ኣባላት ሰልፍናን ህዝብን ምስጋና ብምቕራብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንጉባኤና ዕውት ንኽኸውን ዝገበሩልና ሐገዛት ብልቢ እናመስገንኩ ከምውን ንመንግስቲ ሱዳንን መንግስቲ የመንን ንመስል ቃልሲ ህዝብና ዘወፍይዎ ዘለው ሓገዛት  ብስመይን ብስም ሰልፊ ናህዳ ኤርትራን ከየመስገንኩዎም ክሐልፍ ኣይደልን፡

ከምኡውን ንሽማግለ ኣዳላዊት ጉባኤ ጉባኤና ብጽፈትን ህርኩትን ኣገባብ ንኽፍጸም ዝገበርዎ ምዕቡል ኣገባብ ኣቀራርባን ምድላውን ምስጋናይ ወሰን የብሉን ብማለት ብልቢ የሞጉሰኩም ክብል ኣደናቖቱ ገሊጹ።

ቀዳማይ መዓልቲ ጉባኤ ሰክረታርያ ኣካያዲት ጉባኤ መሪጹ  ብተኻፋልነት ናይ ዞባን ዓለምለኻዊ ጋዜጠኛታት ማዕከናት ዜናታትን ብምልኣት ዝተኻፈልዎ ከምዝነበረን ክንሕብር ንፈቱ፡

ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራን ሐድነቱን

ዕንወት ንዲክታተርያዊ ስርዓት ኤርትራ

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና

ዓወትና ኣብ ትሕቲ ኪዳናዊ ሐድነት

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ክፍሊ ዕዮ ዜና።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1280

Posted by on Dec 28 2008 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net