ናይ ምትብባዕን ደገፍን መልእኽቲ

ብፍሰሃ ናይር

ናብ ዝኸበርኩም ሰራዊት ምኽልካል ኤርትራ!

አቀዲመ ሃገራውን ሕውነታውን ምዉቅ ሰላምታይ ይብጻሕኩም፣ ሎምቅነ ብሃገራዊ ሓላፍነት ኣብ ጐድኒ ሕዝብኹም ምዃንኩም ዝገልጽ ድሃይ ኣብ መርበብ ሓበረታ ክከታተል ጸኒሔ፣በዚ ፍናን ዝህብ ድሃይኩም ተመሲጠ ድማ ናይ ምሉእ ደገፈይን ምትብባዕን ዘመልኦ መልእኽቲ ከመሓላፈልኩም ኣፍቅዱልይ።

ዝኸበርኩም ጀጋኑ ሰራዊት ምኽልካል ኤርትራ!

ብሃገራዊ ሓላፍነትን በቲ ኢደ ወነናውን ዘይቅዋማውን መንግስቲ ኤርትራ ዝግበር ምብስባስ ሕዝብናን እገዳ ምንቅስቃሳቱን ንብረቱን እኽሉን ተቃዊምኩም፣ ኣገልግሎትና ሓልዮት ሕዝቢ እምበር ኣንጻር ሕዝባና ኣይኮነን ነገልግል ብዝብል መንፈስ ነቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተዋህበ ጊጉይ መምርሒ ነጺግኩም ኣብ ጐድኒ ሕዝብኹም ደው ብምባልኩም ዝተስማዓኒ ፍናን ርጉጽነት ብዘየገድስ ናይ ሕዝብና ተስፋን ትጽቢትን ዝበስር ብምዃኑ፣ብምሉእ ልባና ደገፈይ ክገልጸልኩም እፈቱ።

ቕጺሉ ድማ እቲ ብዝተፈላለያ ክፍለ ሰራዊት ኣብ ልዕሊ እተን ተቃውሞ ዘካየዳ ኣሃዱታት መጥቃዕቲ ንምፍጻም ንዝተዋህበ መንግስታዊ ትእዛዝ፣ ”ዝዓጠቅናዮ ኣጽዋር ኣንጻር ጸላኢና እምበር ምስ አሕዋትናን ብጾትናን ክንዋጋኣሉ ኣይኮናን” ኢለን ዝነጸጋ ምልክት ናይ ሓድነትኩምን ሓልፍነትኩምን ዘረጋግጽ ብመጀመርያ ኣገልግሎትኩም ዋሕስ ድሕነት ሕዝቡኹምን ሃገርኩምን ምዃኑ ዘበስር ድሃይ ብምዃኑ ሕጂ እውን እንተኾነ ሕዝቢ ኤርትራን አህጉራዊ ማሕበረ ሰብን ከምዝድግፉኹም ደጊመ ከረጋግጸልኩም እፈቱ።

ዓወት ንሕዝቢ ኤርትራ!

ዓወት ንቅኑዕ ኣገልግሎት ሰራዊት ምኽልካል ኤርትራ!

 ምስ ሃገራውን ሕውነታውን ሰላምታ!

ፍስሓ ናይር

15 12 2008

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1290

Posted by on Dec 15 2008 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net