Eritreanska Folkrörelse För Demokrati i Sverige

Eritrean Popular Movement for Democracy in Sweden

ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራሲ ኣብ ሽወደን

 

ጋዜጣዊ መግለጺ
ንኩነታት ናይቲ ዝላባዕ ዘሎ ተቓዉሞ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ብሓልታት ምክልኻል ኤርትራ

 

ሃገርና ኤርትራ  ኣብዚ ዉሽጢ  ዓሰርተ ሸዉዓተ ዓመታት ዘስካሕክሕ ፋሽሽታዊ ምሕደራ ህግደፍ: ኣብ ኩሉ ኣካላት ሕብረተሰብና ዝወረደን ገና እዉን ዝወርድ ዘሎ መጠን ዘይብሉ በደላትን  ጭቆናን ጸብጺብካ ዝዉዳእ ኣይኮነን:: ነዚ ሕጂ ብሰንኪ ስርዓት ኢሰይያስ ኣፍወርቅን ሰዓብቱን: ሃገርናን ህዝብናን ካብ ደገን  ዉሽጥን ኣብ ዝኾነ እዋን ክነቱግ ብዝኽእል ሓደጋ  ክንቃላዕ ገሩና ዘሎ ስርዓት: ብኣጋኡ ምስዘስተባህሉሉ ኤርትራዉያን ባእታትን ሓይልታትን ቅልጡፍ ግብረ-መልሲ ብማሃብ ንለዉጥን ፍትሕን ደው ኣብ ምባል ስለዝደንጎና ምኻኑ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ኣብ ቅድሚ እዛ ሎሚ ማሃነና ጠፊእዋ ንኩሉ ዓይነት ሓደጋታት ተሳጢሓ ዘላ ሃገረ ኤርትራ ምስ ሕልንኡ ሙጉት ክገጥም ግቡእ እዩ::

ኣብዚ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ መሳርዕ ናይቲ ብሽበራዊ መሳርዕ ተኸቢቡ ጅሆ ተታሒዙ  ካብ ዘሎ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ: ንመሰላቱን መሰል ስድራቤቱን ከምኡ እዉን ሃገርናን ህዝብናን ብመሪሕነት ጉጅለ ኢሰይያስ ኣፍወርቂ ኣትዮሞ ዘሎዉ ሰልምን ተቃሊዕናዮ ዘለና ሓደጋን ኣብ ግምት ብምእታዉ:  ሕቶታት ብዉልቅን ብእኩብን ክላዓሉ ከምዝጸንሑን: ነዞም ከምዚ ዝዓይነቱ ሕቶታት ብምዕፋን: ንኣልዓልቱ ድማ ብኽድዓትን ካልእን ብምጥቃን ኣብ ቅድሚ ሰራዊት ወይድማ ኣብ መዳጎኒ ማዓስከራት ናይቲ ስርዓት: ብንጽልን እኩብን ክርሸኑ ጸኒሖምን ኣሎዉን: ይኹን እምበር እዚ ሕቶ´ዚ ፈኸም እንዳበለ ካብ ድርኩኺት ናይቲ ስርዓትን ዓፈንኡን ወጺኡ: ድሮ ብዝተፈላለየ ማዕከናት ዜና ኤርትራዉያንን ገለ ሻርነት ዘይብሎም ማዕከናት ዜናን: ኣሃዱታት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣንጻር ዲክታቶር ኢሰይያስ ኣፍወርቂ ጠለባት ብምቕራብ ኣብ ተቓዉሞ ከምዘሎዉ ኢለን ጸብጻባተን ዘርጊሐን ኣሎዋ::
 
ንሕና ከም በርገሳዊ ምንቅስቓስ ንገለ ካብዚ ኣብ ፈነወ በቒዑ ዘሎ ዝተፈላለየ ናይ መሰል ሕቶታት ዘጠቓለለ ተቓዉሞ ኣሃዱታት ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ ብንጹር ኣረጋጊጽናዮ ኣሎና:: ስለዝኾነ ነዚ ይዕበ ይንኣስ ተርእዮ ተቓዉሞ  ኣሃዱታት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣንጻር ዓፈና ስርዓት ኢሰይያስ ኣፍወርቂ: ዘለና ሙሉእ ደገፍ ንሕብር:: ንኹሎም ነዚ ህዝብናን ሃገርናን ተሳጢሖሞ ዘሎዉ ኣስጋኢ መድረኽ ኣብ ግምት ብምእታዉ በቲ ሓደ ወገን: ንመሰናኽላትን ጸጥታዊ ከበባን ጉጅለ ኢሰይያስ ኣፍወርቂ ኣብ ዉሽጢ ሰራዊት ዕጅብ ከይበሎም በቲ ኻልእ ወገን: ተቓዉሞ  ኣልዒሎም ንዘሎዉ የሕዋትናን ኣሓትናን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ: ዘለና ልዑል ኣድናቖት  በዚ ናይ ደገፍ ጋዜጣዊ መግለጺ ንሕብር::

ጻዉዒት ናብ ኩሎም ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብዓፋኒ ጸጥታዊ  ከበባ ናይቲ ስርዓት ቀዳሞት ግዳያት ኮይንኩም ኣብ ልዕሊ ገዛእ ነብስኹምን  ስድራቤትኩምን ኣብ ንሓድሕድኩምን ዝበጽሐ መተካእታ ዘይብሉ ጬካን በደላት መዘና የብሉን: ኮይኑ ግን ነዚ ብኩሉ መንገዲ ምእንቲ ስልጣኑ ክብል ዝጣላዕ ዘሎ ጉጅለ ኢሰይያስ ኣፍወርቂ ይኣክል ብምባል:  ኣብ ጎድኒ ናይቲ ብጥሜትን ዓፈናን ማሲኑ ዘሎ ህዝብኹምን: ኣብ ጎድኒ ናይዛ ንኹሉ ሓደጋ ተሳጢሓ ዘላ ሃገርኩምን ደዉ ኢልኩም ብግዝያዊ ፍታሓትን ብማዓር ዝተሸፈነ መርዛም ናእዳታት: መብጽዓን  ምኽኒትን ጉጅለ ህግደፍ ከይተዘናጋዕኩም: ብፍላይ ከኣ ካብዞም ዝስዕቡ ተመክሮታት:-

1.  ኣድማ ተጋደልቲ 1993 ኣፈታትሕኡን

2.  ኣድማ ኣካለ ስንኩላን ተጋደልቲ 1994 ኣቀታትልኡን

3.  ተቓዉሞ መራሕቲ ወታሃደራትን ሚኒስተራትን 2001 ኣፈታትሕኡን  ወዘተ………

መወዳእትኦምን ብምስትዉዓልን ብምምሃርን  ነዚ ሕጂ ተጀሚሩ ዘሎ ቁልዒ ተቓዉሞ ናይ ገለ ኣሃዱታት ብጾትኩም  ብስሙር ድምጺ ኣንበድቢድኩም ናብ  ነበልባላዊ ምንቅስቓስ ብምቕያር: መሪሕነት ህግደፍ ካብ ስልጣን ተወጊዱ  ስልጣን ናይ ህዝቢ ክኸዉን ናይ ምግባር ዕድልኩም ሕጂ ምኻኑ ሲቪላዊ ማሕበር ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራሲ ኣብ ሽወደን መዘኻከሪ መልእኽቱ የቕርብ:: 
 

በዚ ኣጋጣሚ ነዚ ኣብ ዉሽጢ ሃገርና ብኣሃዱታት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ተላዒሉ ዘሎ ተባዕ ተቓዉሞ: ናብ ዓርሞሸሻዊ ናይ ለዉጢ ሓይሊ ምእንቲ ክቕየር ተሳትፎ ኩሉ ኤርትራዊ ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ኣብ ደገ ዘሎ ኤርትራዊ እጃሙ ከበርክት ሲቪላዊ ማሕበር ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራሲ ኣብ ሽወደን  ጻዉዒቱ የቕርብ::

ፍትሓዊ ቃልሲ ተዓዋቲ እዩ!! 
ዓወት ንተቓለስቲ ፍትሓዊ ለውጢ !!

                                        ታሕሳስ 15 2008
                                          ስቶክሆልም- ሽወደን

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1296

Posted by on Dec 15 2008 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net