ሕጂ’ውን ከቢድ መጠንቀቕታን መተሓሳሰብን ንህዝቢ ጽንዓደግለን ቶርዓን

ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ብለባማትን መስተውዓልቲን ኣሕዋት ደቂ ሃገር ዝተገልጸ።

ስርዓት ህግደፍ ደም ዝለመደ ጽምኣቱ ንምርዋይ ኩሉ ዓይነት ተንኮላትን ሽርሕታትን እናተጠቀመ ኣብ መንጎ ኣውራጃታት፡ ወረዳታት፡ ዓድታት፡ የሕዋት፡ ሕሉፍ ሓሊፍዎ’ውን ኣብ መንጎ ሓዳርን፡ ወላድን ውላድን እናኣተወ ባእስን ቅርሕንትን ብምፍጣር ብኡ ጌሩ’ውን ደምን ሞትን ከምዘስዕብ ዝገብር ተንኮለኛ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ሎሚ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ኣብ ዝኾነሉ እዋን ነቲ ብለባማት ደቂ ዓድን ሃገርን ዝተዓጽወ መዝገብ ባእሲ ኣብ መንጎ የሕዋት ህዝብታት ጽንዓደግለን ቶርዓን እንደገና ንምውላዕ በቲ እከይ ተግባራቱ ንሓደ ተወልደብርሃን ተስፋይ ዝተባህለ መንእሰይ ተወላዲ ጽንዓደግለ ብዘስካሕክሕን ብዘጸይፍን ኩነታት ሂወቱ ከምዝሓልፍ ጌሮም ፡ ንሱ ጥራሕ ከይኣኽሎም ከኣ ብድሕሪ ሞቱ’ውን ንኣካላቱ ብንኽትኣምኖ ዘሸግር ኩነታት ጎዛዝዮም ፋሕፋሕ ከምዘበልዎ ናይ ቀረባ ፈለጥቲ ስድራቤት መዋቲ ሓቢሮም።

እዚ ከምኡ ኢሉ እናሃለወ ከሎ ጉዳመኛ ስርዕት ህግደፍ ነቲ ጽልኢ ናብ ዝለዓለ ጥርዚ ንምብጻሕ ነቶም ቀተልቲ ሒዝናዮም ኣሎና፡ ኣብ ዝገበርናዮ መርመራ ድማ ገበነኛታት ምዃኖም ማለት እወ ንሕና ኢና ቀቲልናዮ ኢሎም ተኣሚኖም ኣለው። ስለምንታይ ዳኣ ቀቲሎሞ እሞ ምስ ቀተልቲ ወድና ዶ ከተራክቡና እሞ ብሕጋዊ መንገዲ ክሲ ክንምስርት እንተበሉዎም ክትከሱ ትክእሉ ኢኹም ስለምንታይን ብኸመይን ግና ምስ መንግስቲ ኢና ንዛረብ ስለ ዝበሉ ጉዳዮም መንግስቲ ባዕሉ ክሪኦ ኢዩ ተባሂሎም።

ንሱ ጥራሕ ከይኣክል ኣቦታት ክምስሉ ከለው እንታይ ይብሉ ኣብ ጥቓ ትኪ ዘሎ ቆልዐ ኣይተብኪ ምኽንያቱ ትኪ ሰርሲርዎ ድሮ የዒንቱ ክነብዕ ጀሚሩ ስለዘሎ  ክበኪ እንድሕሪ ጀሚሩ ንብዓቱ ምዕገቲ የብሉን።ብተንኮልን ክፍኣትን ዲግሪ ዝሰቐሉ ጃንዳ ህግደፍ ከኣ ነታ ጠልጠል ኣቢሎማ ዘለው ፈትሊ መታን ኣጸቢቖም ክበትኩዋ ከምዚ ክብሉ’ውን ይዛረቡ ኣለው፡ ቅድሚ ንተወልደብርሃን ምቕታሎም ገለ መዓልታት ኣቀዲሞም ንሓንቲ መርዓት ከም ዝሃረሙዋ’ውን ተኣሚኖም ኣለው ኢሎም።

እዚ ግና ኮነ ኢልካ ዝተገብረ ትያትር ምዃኑ እናሓበርና ስምዒታት ንምልዕዓል ዝገበር ዘሎ ድሑር ሜላ ኢዩ ፡ ስርዓት ህግደፍ ኣይኮነን ክሸጡና ክዋገዩልና ከለው ኢና ንፈልጦም።

ስለዚ ኩቡራት የሕዋት ህዝብታት ጽንዓደግለን ቶርዓን ሓደራኹም ቁስልና ከይንሓክኽ ቀደም ዝሓለፈ ምፍሳስ ደም እንተስ ብግርህና እንተስ ብዕሽነት ከይንደግሞ’ሞ መፍተት እዞም ጎሓላሉ ከይንኸውን ብዝፈስስ ደምና ዝረውዩ፡ ብስቓይና ዝሕጎሱ፡ ኣብ መንጎና ብዝፍጠር ባእስን፡ ቕርሕንትን፡ ጽልእን ዕድመ ስልጣኖም ዘናውሑ  ሕጂ’ውን ደጊመ ደጋጊመ ዓሻ ክልተ ግዜ ይውቃዕ ኢሎሞ ለባማት ኣቦታት ፡ ካልኣይ ግዜ ከይንውቃዕን ኣብ ከምኡ ዝኣመሰለ ናይ ምፍሳስ ደም ኩነታት ከይንወድቅ ነቲ ዝሕሰበልና ዘሎ ተንኮላት ብዕቱብነትን ብልቦናን ከነስተብህለሉ ሓደራ።ሓደራ ብሰማይ ፡ ሓደራ ብምድሪ።

የሕዋት ክፋቐሩ ጸላኢ የባርሩ!! ከምዝበሃል ተፋቒርና ነቲ ብሂወትናን ብሂወት ደቅናን ብዓቢኡ ከኣ ብሃገርናን ህዝብናን ዝጻወት ዘሎ ገባሪ እከይ ስርዓት ቅልጽምና ሰብሲብና ኢደይ ኢድካ ኢልና ሓሕ ንበሎ! ሓሕ ንበሎ።

 በዚ ኣጋጣሚ ንኹሎም ስድራቤትን ቤተሰብን መዋቲ ንኢዮብ ጻድቕ ዘጸናንዔ ኣምላኽ የጸናንዕኩም ኢዱ እውን የንብረልኩም!!!

ሰላምን ፍቕርን ንሃገርና!

ሰማእታትና ወትሩ ይዘከሩ!

ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!

ፍስሃየ ሓጎስ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1310

Posted by on Oct 12 2007 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net