ህዝባዊ ኣኼባ ደቡባዊ ካሊፎርንያ ብዛዕባ ውጽኢት ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

መስከረም 04, 2010

ኣብ ሳንድያጎ-ደቡባዊ ካሊፎርንያ ብዕለት 04 መስከረም 2010 ዝተገብረ ህዝባዊ ኣኼባ ውጽኢት ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ እምነ መሰረት ንሃገራዊ ሓድነት እዩ ነይሩ ክብሉ ተሳተፍቲ ኣኼባ ገምጊሞም። ኣርባዕተ ተወከልቲ ህዝቢ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ምስ ሓደ ኣባል ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣቶ ሃይለማርያም ተስፋይ ዘሎዎም ብሩህ ዝኾነ ጸብጻብ ሃገራዊ ዋዕላ ኣቕሪቦም። ጽማቕ ትሕዝትኡ ከኣ ከምዚ ዝስዕብ ነበረ።

ብመጀመርያ ነቲ ህዝቢ ደቡባዊ ካሊፎርንያ ለበዋታት ኣስኒቑ ዝሰደዶም ብዛዕባ ሃገራዊ ባይቶ ምቛም ዝምልከት ዝከኣሎም ጻዕርታት ድሕሪ ምክያድ፡ ዋዕላ ናብቲ ተደልዩ ዘሎ ሃገራዊ ባይቶን መሰጋገሪ ስርዓትን ዘዳሉ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣቝሞም ምምጾኦም ዓቢ ዓወት ምኻኑ ኣኼበኛ መዚኑ። ተወከልቲ ሽማግለታት ጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ካብ ምጅማሩ ክሳብ ምዝዛሙ ዝነበረ ተረኽቦታት ዝርዝር ንኣኼበኛ ብግሉጽ ዝኾነ ኣቀራርባ ተንቲኖም ኣቕረቡ። ኣብዚ ዝሓለፈ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ጉዳይ ሃይማኖታዊ ፍልልያትን ናይ ብሄር ሕቶን ዝብሉ ዝነበሩ ስክፍታት ብግቡእ ተመሊሶም ህዝቢ ኤርትራ ንሓድነቱ ዘስግእ ከምዘይብሉ ዝሓዘ ብስራት ንኣኼበኛታት ኣረዲኦም። ኣብዚ ዝተገብረ መብርህታት ብፍላይ እቶም ናይ ሃይማኖትን ብሄርን ዝብሉ ኣባላት ውድባት ካብ ዝተጸበናዮ ንላዕሊ ኮይኖም ኣብ ሃገራዊ ሓድነት ዘሎዎም እምነት ብኣንጻሩ ንዓና ዝምህር ትሕዝቶ ከም ዘሎዎም ተዓዚብናስ ነብስና ክንፍትሽ ሓጊዞምና እዮም ክብሉ ኣመስጊኖሞም።

ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ዝወሰደ ተሪር ክታዓት ብዘይነሓፍነት ዝነበረ ኮይኑ፡ ኣብ መወዳእትኡ ግን ናብ ሓባራዊ ስምምዕ ሓለፍነታዊ ብዝመልኦ መንፈስ ከም ዝተዛዘመ መልእኽቶም ኣብሪሆም። መግለጺ ሉኡኻት ዋዕላ ድሕሪ ምዝዛሙ ብርክት ዝበሉ ሕቶታት ቀሪቦም ንኣብነት ጉዳይ ኣመራርጻ ሰክሪታርያ ዋዕላ፡ ጉዳይ ኣመራርጻ ኮሚሽንን ዕማማታን፡ ውደባን ባጀታን ዝብሉ ካብቶም ቀንዲ ሕቶታት ኔሮም። ሉኡኻት ሽማግለ ዋዕላ ንሕቶታት ብዘዕግብ ኣገባብ ድሕሪ ምምላስ፡ ነቲ ኩሉ ዕማማት ኮሚሽን ተግባራዊ ዝግበር ብናይ ኩሉ ሃገራዊ ምትሕብባር ምኻኑ ኣተሓሳሲቦም። ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ስፊሕ ሃገራዊ ጉባኤ ንምግባር ዝወጸ  መደባት ኮሚሽን ንምቕራብን ህዝቢ’ውን ንምልዕዓልን ብመሰረት ውጥን ስርርዕዊ ጉዳያት ኮሚሽን ክግበር ዘለዎ መደባት ሒዙ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙናት ካልኣይ ህዝባዊ ኣኼባ ክገብር ብምውሳን ኣኼብኡ ደምዲሙ።

ሽማግለ ዋዕላ ደቡባዊ ካሊፎርንያ

መስከረም 4 2010

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1483

Posted by on Sep 7 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net