News

መጸዋዕታ

ሃገራዊ ጉባኤ ተሳትፎ ኩሉ ክውንነት ህዝብናን ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጥን ብዘይዝኾነ ፍልልይ ዘውሕስን ብስልጡን ኣገባብ ኤርትራውያን ሕድሕድ ልዝባት ዘካይድሉን ዕውት መጋብኣያ ክኸውን ኮሚሽን ብዋዕላ ዝተነበረሉ እምነትን ብሓልዮትን ሓገዛትን ህዝብናን ብርቱዕ ጻዕርታት ክገብር ምዃኑ ይሕበር።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ኮሚሽን እቲ ዋኒን ሓባራዊ ዕማም ምዃኑ ብምግንዛብ፡ ነፍሲ ወከፍ ሞያ ዘለዎም ዜጋታትና ኣርማ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ምምራጽ ክሳተፉን ክተሓጋገዙን ጻውዒቱ የቕርብ። እቲ ዝዳሎ ኣርማ ንዕላማታትን ዕማማትን ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዘንጸባርቕ ኮይኑ፡ ብዝተካእለ መጠን ብሰለስተ ቋንቋታት ትግርኛን ዓረብኛን እንግሊዘኛን ክቐርብ ብትሕትና እናሓተትና ነዚ ዝስዕብ ረቋሒታት ዘማልእ ይኸውን። ንሱ ድማ

  • ሃገራዊ ሓድነት
  • ሃናጺ ልዝብ
  • ሰላም
  • ፍትሒ

መወዳእታ እቲ ኣርማ ዝቐርበሉ ን25/09/2010 ኮይኑ፡ በዚ ኣድራሻ ኢ-መይል ENCDC2011@gmail.com ክትሰዱልና እናኣዘካኸርና፡ ተዓዋቲ ኣርማ ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ናይ ክብሪ ጋሻ ኮይኑ ከም ዝዕደም ነረጋግጽ።

መተሓሳሰቢ፡

እቲ ዝዳሎ ኣርማ ሕጋዊ ንብረት ኮሚሽን ክኸውን ምዃኑ ንሕብር።

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ !!

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ !!

ውድቐት ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ !!

ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

09 መስከረም 2010

ENCDC2011@gmail.com

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top